News

ዜናታት ካብ ውሽቲ ሃገር

GIC
27/11/2006
 
መደብር ታዕሊም ሳዋ ንወተሃደራዊ ታዕሊም ይሰርሕ ከምዘየለ ተገሊጹ
ንኣስታት 10 ዓመታት ከም ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም መንግስቲ ኤርትራ ኮይና ከተገልግል ዝጸንሐት ሳዋ ብሰንኪ ዘለዋ ቅርበት ናብ ሱዳን ፡ ንምህዳም ምችእቲ ስለዝኾነት ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣደስቲ መደበራት ታዕሊም ክምስርት ተገዲዱ ከምዘሎ ዝበጸሓና ዜና ሓቢሩ ።

 ብመሰረት እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣብዚ ህጂ እዋን ካብ መላእ ኤርትራ ዝተገፉ መንእሰያት ናብ ማርሳ ጉልቡብ ንታዕሊም ይወሰዱ ኣለዉ ። ብተወሳኺ ኣብ ርእሲ እዚ ዝተጠቕሰ ቦታ ኣብ ደንካልያ ከባቢ ክልዮማውን ተወሳኺ መደበር ታዕሊም ተመስሪቱ ብስቱር ታዕሊም ይካየድ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ ።

እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ክልተ ቦታታት ኣብ ኣዝዩ ኣጻምእን ቀረብ ዘይብሉን ምዃኑ ንህድማ መንእሰያት ዘይጥዕማ ምዃነን ኮነ ኢሉ መንግስቲ ኤርትራ ዝገበረን እዩ ክብሉ ብቐረባ ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ዜጋታት ገሊጾም ።

መንግስቲ ኤርትራ ፍሉይ ኣሃዱ ዓሊሙ ኣውጺኡ
መንግስቲ ኤርትራ ንፍሉይ ጉዳያት ጥራሕ ዘገልግል ልዕሊ ሓደ ክፍለሰራዊት ዝግመት ፍሉይ ኣሃዱ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ስጋብ ውርሒ ሕዳር ፍሉይ ናይ ባሕርን መሬትን ስልጠና ብምሃብ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ድሕሪ ምምራቕ ናብ መላእ ሃገር ፋሕ ከምዝብሉ ጌሩ ኣሎ ።

ብመሰረት ሓደ ካብዞም ፍሉያት ኣሃዱ  ኣባል ሰራዊት ኤርትራ ዝነበረ  ናብ ሱዳን ዝመጸ ዝሃበና ሓበሬታ እቲ ሰራዊት ብጀማል ሹምን መሓመድ ጅምዕን ዝበሃሉ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ዝምራሕ ኮይኑ ፡ ሓደ ብርጌድ ኣብ ከባቢ ሃይኮታ ከምዝዕስክር ክግበር ከሎ ክልተ ብርጌድ ካብኡውን ኣብ ዞባ ደቡብ ማይዕዳጋን ዓደንገፎምን ዓስኪሩሎ ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ሓደ ብርጌድ ኣብ 37 ኪሎሜተ ካብ ዓሰብ ክዕስክር እንከሎ ሓደ ብርጌድ ድማ ናብ ሶማልያ ተላኢኩ ክብሉ ኣብ ነፋሊት ናይ ሊብያ ክስቀሉ ዝረኣይዎም ገሊጾም ። 

ኣደ መንእሰይ ኣብ ተሰነይ ብሓልታት ጸጥታ ተቐቲሉ ።
ብዕለት 2/11/ 2006 ኣብ ከተማ ተሰነይ ሓደ ብወዲ ኮረር ዝፍለጥ  ኤርትራዊ መንእሰይ ብሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ከምዝተቐትለ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ ። ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እቲ መንእሰይ ኣብ ከባቢ ሱግ ኣሻዕቢ ከምዝተቐትለን ጥይት ብሕቑኡ ኣትያ ብኣፍልቡ ምስ ወጸት  ሕክምናዊ ረዲኤት ከይግበረሉ ተኸልኪሉ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ተሳሒጉ ከምዝመተ እቲ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ ወሲኹ ገሊጹ ።

ከምዚ ዓይነት ግፍዓዊ ምርሻን ኣብ ከተማ ተሰነይ  ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ንራብዓይ ግዜ የፍጸም ኣሎ ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top