ዜናታት ካብ ውሽቲ ሃገር

GIC
27/11/2006
 
መደብር ታዕሊም ሳዋ ንወተሃደራዊ ታዕሊም ይሰርሕ ከምዘየለ ተገሊጹ
ንኣስታት 10 ዓመታት ከም ወተሃደራዊ መደበር ታዕሊም መንግስቲ ኤርትራ ኮይና ከተገልግል ዝጸንሐት ሳዋ ብሰንኪ ዘለዋ ቅርበት ናብ ሱዳን ፡ ንምህዳም ምችእቲ ስለዝኾነት ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣደስቲ መደበራት ታዕሊም ክምስርት ተገዲዱ ከምዘሎ ዝበጸሓና ዜና ሓቢሩ ።

 ብመሰረት እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ኣብዚ ህጂ እዋን ካብ መላእ ኤርትራ ዝተገፉ መንእሰያት ናብ ማርሳ ጉልቡብ ንታዕሊም ይወሰዱ ኣለዉ ። ብተወሳኺ ኣብ ርእሲ እዚ ዝተጠቕሰ ቦታ ኣብ ደንካልያ ከባቢ ክልዮማውን ተወሳኺ መደበር ታዕሊም ተመስሪቱ ብስቱር ታዕሊም ይካየድ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ ።

እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ክልተ ቦታታት ኣብ ኣዝዩ ኣጻምእን ቀረብ ዘይብሉን ምዃኑ ንህድማ መንእሰያት ዘይጥዕማ ምዃነን ኮነ ኢሉ መንግስቲ ኤርትራ ዝገበረን እዩ ክብሉ ብቐረባ ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡ ዜጋታት ገሊጾም ።

መንግስቲ ኤርትራ ፍሉይ ኣሃዱ ዓሊሙ ኣውጺኡ
መንግስቲ ኤርትራ ንፍሉይ ጉዳያት ጥራሕ ዘገልግል ልዕሊ ሓደ ክፍለሰራዊት ዝግመት ፍሉይ ኣሃዱ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ስጋብ ውርሒ ሕዳር ፍሉይ ናይ ባሕርን መሬትን ስልጠና ብምሃብ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ድሕሪ ምምራቕ ናብ መላእ ሃገር ፋሕ ከምዝብሉ ጌሩ ኣሎ ።

ብመሰረት ሓደ ካብዞም ፍሉያት ኣሃዱ  ኣባል ሰራዊት ኤርትራ ዝነበረ  ናብ ሱዳን ዝመጸ ዝሃበና ሓበሬታ እቲ ሰራዊት ብጀማል ሹምን መሓመድ ጅምዕን ዝበሃሉ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ዝምራሕ ኮይኑ ፡ ሓደ ብርጌድ ኣብ ከባቢ ሃይኮታ ከምዝዕስክር ክግበር ከሎ ክልተ ብርጌድ ካብኡውን ኣብ ዞባ ደቡብ ማይዕዳጋን ዓደንገፎምን ዓስኪሩሎ ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ሓደ ብርጌድ ኣብ 37 ኪሎሜተ ካብ ዓሰብ ክዕስክር እንከሎ ሓደ ብርጌድ ድማ ናብ ሶማልያ ተላኢኩ ክብሉ ኣብ ነፋሊት ናይ ሊብያ ክስቀሉ ዝረኣይዎም ገሊጾም ። 

ኣደ መንእሰይ ኣብ ተሰነይ ብሓልታት ጸጥታ ተቐቲሉ ።
ብዕለት 2/11/ 2006 ኣብ ከተማ ተሰነይ ሓደ ብወዲ ኮረር ዝፍለጥ  ኤርትራዊ መንእሰይ ብሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ከምዝተቐትለ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ ። ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እቲ መንእሰይ ኣብ ከባቢ ሱግ ኣሻዕቢ ከምዝተቐትለን ጥይት ብሕቑኡ ኣትያ ብኣፍልቡ ምስ ወጸት  ሕክምናዊ ረዲኤት ከይግበረሉ ተኸልኪሉ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ተሳሒጉ ከምዝመተ እቲ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ ወሲኹ ገሊጹ ።

ከምዚ ዓይነት ግፍዓዊ ምርሻን ኣብ ከተማ ተሰነይ  ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ንራብዓይ ግዜ የፍጸም ኣሎ ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3249

Posted by on Nov 27 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net