መጸዋዕታ፡ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ካርቱም

ኤርትራ፡ ንተቓወምቲ ውድባት ሱዳን ካብ መሬታ ከተባርሮም መንግስቲ ሱዳን ጠሊቡ

ጋዜጣታት፡- ኣልእንትባህ፡ ኣስሓፋ፡ ራኢ ኣሽዓብ፡ ኣልወጠን 06.07.2006

ኤርትራ፡ ስለምንታይ ንግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሱዳን፡ ኣብ ሃገራ ኣኼባ ክገብር ከም ዘፍቀደት ንምፍላጥ፥ መንግስቲ ሱዳን ንኣምባሰደር ኤርትራ ኣብ ካርቱም ከምዝጸውዓቶ ዶክተር ላም ኣኮል፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ሱዳን ሓቢሩ። “ኤርትራ መንጐኛ ኰይና ኣብ ምብራቕ ንዘሎና ሽግራትና ኣብ ምፍታሕ ክትተሓባበረና ድሕሪ ምሕታትና፥ ተቓወምትና፡ ኣብ ኣስመራ ምንቅስቓሶም መስሪቶም፡ ንሱዳን ክወግኡ እንተደኣ ዝመጹ ኰይኖም፡ እዚ፡ ሰላም ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ኣይኰነን” ከምዝበለ፡ ሮይተርስ እተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሩ። ከምኡ ውን፡ “ኤርትራ፡ ነቲ ንመንግስቲ ሱዳን ዝቃወም ምሕዝነት ኣብ ሃገራ ኣኼባ ክገብር ምእንጋዳ ስለምንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ኣምሳደር ኤርትራ ናብ መንግስቱ መልእኽቲ ክሰድድ ተጠሊቡ ኣሎ” ክትብል እታ ጋዜጣ ሓቢራ። ዶክተር ላም ኣኮል፡ ኤርትራ ንተቓዋሚ መንግስቲ ሱዳን ዝዀነ ሓድሽ ምሕዝነት ኣብ ሃገራ ኣኼባ ክገብር ምእንጋዳ፡ ሻራ ዘይብላ መንጐኛ ክትከውን ትኽእል ድያ ዝብል ሕቶታት ኣልዓዒሉ ኣሎ ኢሉ። “ነዚ ሕቶ’ዚ መልሲ ንምርካብ ኢና መብርሂ ንሓትት ዘሎና። ቅልጡፍ መልሲ ክውሃበና ከምዘለዎ ድማ ሓቢርናዮም ኣሎና” ክብል ወሲኹ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ግን፡ ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ ኣሎ። ጋዜጣ ኣልእንትባህ ኣስዒባ፡ “ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕድያት ሰዳን፡ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ካርቱም ትማሊ ጸዊዓ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንተቓወምቲ ውድባት ሱዳን ኣብ መሬታ ብቐጻልነት ምእንጋዳ ሱዳን ከምእትቃወሞ ሓቢርናያ ኣሎና ክብል ዕላዊ ውሃቢ ቃል (ኣፈኛ) ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ንኣልጀዚራ ከምዝገለጸላ ተፈሊጡ ኣሎ” ኢላ። ከምኡ ውን፡  ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ካርቱም፡ ነቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ “ሓምራት ኣልሸኽ” እተባህለ ቦታ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ተቓውሞታት መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝተመሓላለፈሉ ናይ ኣፍ መልእኽቲ ንምብጻሕ ምስ ፕረሲደንት ዑመር በሺር ርክብ ሓቲቱ ከምዘሎ፡ መስጣፋ ዑስማን እስማዒል ኣብ ተለቪዝን ኣልጀዚራ ዝገበሮ ቃለ ምልልስ ከምዘቃልዐ ጋዜጣ ኣልእንትባህ ጠቒሳ።

ጋዜጣ ኣልስሓፋ ግን፡ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ ሕታማ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ነቲ መንግስቲ ሱዳን፡ ንምእንጋድ ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሱዳን ኣብ ኣስመራን፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ኣብ “ሓምራት ኣሸኽ” ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ኣመልክቲኡ ዘስምዖ ተቓውሞታት፡ ብጽሑፍ መልሲ ናብ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሺር ልኢኹ ከምዘሎ ሓቢራ። ምስ’ዚ ብምትእስሳር ዕላዊ ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳይ ሱዳን ኣሰይድ ጀማል መሓመድ ኢብራሂም፡ እቶም ንስምምዕ ኣቡጃ ዝተጻረሩ ጕጅለታት ኣብ ሰሜን ኮርዶፋን ዝፈጸምዎ ናይ ዕንወት መጥቃዕታዊ ስርሒት ንስምምዕ ኣቡጃ ንምፍሻል ዝሓለነ ምዃኑ ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ካርቱም ተሓቢርዎ ኢዩ ኢሉ። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት እዚ መጥቃዕቲ’ዚ ንምፍጻም ዝነበሮ መደብ መንግስቲ ኤርትራ ከም እትፈልጥን፤ እንተትደሊ ውን ደው ከትብል ትኽእል ምንባራን ኣሚቱ።

ንጽባሒት ድማ፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣንጻር’ቲ ኣብ ፡ሓምራት ኣሸኽ” መጥቃዕቲ ምክያዱ ብዕሊ ዝተኣመነ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሱዳን፡ ወግዓዊ ተቓውሞኣ ንባይቶ ሕቡራት ሃገራት ከምዘቕረበት፡ ምኽትል ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣሰይድ በሺር ዑመር ከምዝሓበረ እታ ጋዜጣ ኣቃሊዓ።

ጋዜጣ ራኢ ኣልሽዓብ ከኣ፡ ንመንግስታዊ ምንጪታት ጠቒሳ፡ ሱዳን ኣንጻር ኤርትራ ተሪር መርገጽ ከይትወስድ’ሞ፡ እቲ ምስ ግንባር ምብራቕ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ልዝብ ከይፈሽል ስግኣት ከምዘለዎም ገሊጻ።

ግንባር ምብራቕ ሱዳን ከኣ ብወገኑ፡ ንልዝብ ምችእቲ ዝዀነት ሃገር ኤርትራ ጥራሕ ኢያ፤ ዝዀነ ይኹን ነቲ ልዝብ ካብ ኤርትራ ንምቕያር ዝግበር ፈተነ ቅቡል ኣይኰነን ኣብ ዝብል መርገጽ ብምጽናዕ፤ እቲ ልዝብ እንተደኣ ተዓናቒጹ፡ እቲ ኵነታት ኣብ ዝነበሮ ክምለስ ኢዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

እቲ ኣብ ከተማ ተሰነይ ዝተኻየደ ኣኼባ ናይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሱዳን፡ ነቲ ቅድም ክብል ዘቕርቦ ዝነበረ ጠለባት ክብ ብምባል፡ ናይ ምኽትል ኣቦ መንበር ቦታ ክውሃቦን፤ ኣብ ፈደራላዊ መንግስትን ኣብ ፓርላማን ዝህልውዎ ቍጽሪ ናይ ወከልቲ ክውስኽን፤ ናይ ሃገራዊ ሃብትን ስልጣንን ብጽሒቱ ኣብ ኣውራጃታት ኰነ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ …ወዘተ ክዛይድን ጠሊቡ ኣሎ።

ነዚ ኣመልኪታ ጋዜጣ ኣልስሓፋ፡ ዶክተር ሙስጣፋ ዑስማን እስማዒል ትማሊ ኣብ ዝገበር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ጕዳይ ምብራቕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ልዝብ፡ ናይ ጸጥታ ሽማግለ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐትን፤ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት መንግስቲ ሱዳን ፈሪማ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ናብ ተሰነይ ክትልእኾ ምዃናን ኣረጋጊጹ። እቲ ስምምዕ ድማ፡ መንግስቲ ሱዳን መንግስቲ ኤርትራን እቶም ብረት ዝዓጠቑ ተቓወምትን ኣብ ትሕቲኦም ናይ ዝርከብ ቦታታት ጸጥታ ምሕላው ሓላፍነቶም ኢዩ ዝብል ምዃኑ ሓቢሩ። ዶክተር ሙስጣፋ ቀጺሉ፡ እንተደኣ ርግኣት ሰፊኑ፡ መንግስቲ ሱዳን፡ ነቲ ኣብ ምብራቕ ኣንቢራቶ ዘላ ናይ ህጹጽ ኵነታት ኣዋጅ ከተልዕሎ ጸገም ከምዘይብላ ኣሚቱ።

ጋዜጣ ኣልወጠን ከኣ፡ ሕዝብ (ሰልፊ) ኣል ኡማ ኣልቖውሚ ንልዝብ ምብራቕ ሱዳን ከምዝድግፍን፤ ንሽግራት ምብራቕ ሱዳን ንምፍታሕ ኵሉ ሸነኻት ናይ ምብራቕ ሱዳን ዝሳተፎ ደኣ’ምበር፡ ከም’ቲ ናይ ነፋሻ ስምምዕ ካዕባዊ ክኸውን ከምዘይብሉን ጠቒሳ። እቲ ሰልፊ ኣብ ዘውጽኦ ኣዋጅ፡ ጕዳይ ምብራቕ ምስ ጕዳይ ዞባናን ኣህጕርናን፤ ከምኡ ውን፡ ምስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኣሰሰር ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ከምዝበለ ውን ጠቒሳ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3282

Posted by on Jul 6 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net