ጋዜጣዊ መግለጺ ሰክረታርያ ኣሰዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
10.07.2006

 

ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡- “እቲ ሓሳብ ነዊሕ ዝገበረ ኰይኑ፡ ኣብ ኵሉ ተኸታቲሉ ዝመጸ መድረኻት ናይ ተጋድሎናን ዝለዓል ዝነበረ ምዃኑ ኣብ ተዘክሮታትና ዘሎ ኢዩ።”

ሰክረታርያ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ብ9 ሓምለ 2006 ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ባህርያት ዝሓዘ ሰፊሕ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣካይዳ። ኣብ’ቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኤርትራዊ ማዕከን ዜና፡ ወኪል ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኣቦ መንበር መደበር ሶይራ ንሰብኣዊ መሰላት፡ ኣቦ መንበር ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ወከልቲ እስላማዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፡ ወከልቲ ጠቕላላ ማሕበር ተመሃሮ ኤርትራን ግዱሳት ማሕበራትን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣኼበኛታት፡ ንመግለጺ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣድላዪነት ናይ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ከመይነት ኣቋቝማ ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ተሓታትነታ ንመን ምዃኑ፡ ተሳተፍቲ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ መን ምዃኖም፡ ዋሕስነት ናይ ምክያድ ሃገራዊ ዋዕላን ተፈጻምነት መደብ ዕዮታቱን ውሳኔታቱን ካልእ ኣብ’ቲ መግለጽን ኣብ ጕዳይ ሃገራዊ ዋዕላን ክበርሃሎም ዝደልይዎ ሕቶታት ድሕሪ ምቕራብን፥ ርእይቶታቶም ድሕሪ ምግላጽን ንመደብ ሃገራዊ ዋዕላ ከም ስትራተጂካዊ ዕላማ ዘለዎም ደገፍ ኣረጋገጹ።

ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ሓው በሽር ይስሓቕ፡ ነቲ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ሓሳብ ነዊሕ ዝገበረ ኰይኑ፡ ኣብ ኵሉ ተኸታቲሉ ዝመጸ መድረኻት ናይ ተጋድሎናን ከከም ኣድላዪነቱ ንዘጋጥሙና ጸገማት ንምፍታሕ እናተሓደሰ ክለዓል ዝጸንሐ ጕዳይ ምዃኑ ኣብሪሁ። እቲ ቀንዲ ትሕዝቶኡ ከኣ፡ ንሕና ከም ኤርትራውያን ሓቢርና እንነብረሉ፤ ኤርትራ እትመሓደረሉ ዝበለጸ ኣገባብ ንምንዳይ ዝዓለመ ኰይኑ፥ ሎሚ ከኣ፡ ነቲ ነ’ዚ ውርሻታት’ዚ ዘብርስን፣ ንመኽሰባት ህዝብና ንሓደጋታት ዘቃልዕን ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣልጊሱ፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትክኦን መጻኢ ዕድሉ ብናጻ ድሌቱ ክውስን ናይ ዝደሊ ህዝብና ምሉእ ተሳትፎ ዘረጋግጽ ክኸውን ኣገዳስነቱ እናዓዘዘ ስለዝመጸ ኢዩ ኢሉ።

ሃገራዊ ዋዕላ ክዳልዉ ዝኽእሉ ኵሎም ሓይልታት ድሕሪ ምዝርዛርን፥ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ናይ ዝርከብ ህዝብና ሃለዋት ድሕሪ ምግላጽን፤ ንኸም’ዚ ዝኣመሰለ ሃገራዊ መደብ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ክጽውዕን ከዳሉን ከመሓድርን ብቕዓት ዘለዎ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ጥራሕ’ዩ ኢሉ። ቀጺሉ፡ እዚ ማለት ግን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኣብ ምድላው ኰነ ኣብ ምፍጻም ናይ’ቲ መደብ ንበይኑ ክብሕቶ ዘይኰነስ፤ እንታይ ደኣ፡ ነዚ ዕላማ’ዚ ንምዕዋት ናይ ዝሕግዙ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ማሕበራውን ባህላውን ሃይማኖታውን ክፍልታትን ናጻ ውሩያት ሃገራውያን ባእታታትን …ወዘተ ንጡፍ ተሳትፎ ምርግጋጽ ኢዩ ኢሉ።

ማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ነዚ መደብ’ዚ ንምውጻእን ንምድላውን ዝደረኾ ምኽንያታትን፤ ንሕቶታት ኣኼበኛታት ክምልስን ከሎ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ተሓታትነታ ንኪዳን ኢዩ። ነፍስወከፍ ኣባል ውድብ ድማ ሓደ ባእታ ኣብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መዚዙ ኣሎ። ቀዳማይ ዕላማኣ ድማ፡ ምስ ውድባት ተራኺባ መደብ ዕዮታቶም እማመታቶምን ምፍላጥን፥ ዝርዝር መጽናዕቲ ምግባርን ኢዩ። ክሳዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ’ያ ክትጸንሕ። ብድሕር’ዚ ድማ፡ እቲ ካልኣይ መድረኽ ናይ ምስንዳእ ክጅምር ኢዩ ኢሉ። ኣስዒቡ፡ መጠን ተሳትፎ ምስ ዓቕሚ ናይ ኪዳንን ጠለባት ናይ’ቲ ስራሕን ዝተዛመደ ክኸውን ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ክሳዕ ሕጂ ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ ዘይሳተፍ ስርዓት ኣስመራን መጋበርያታቱን ኢዮም ኢሉ። ብዛዕባ ዋሕስነት ተፈጻምነት መደብ ዕዮን ውሳኔታት ሃገራዊ ዋዕላን ኣመልኪቱ ከኣ፡ እቲ ዘሎና እንኮ ዋሕስነት፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ነቲ ጕዕዞ ምቕጻሉ ኢዩ ክብል ኣረጋጊጹ። ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለዉ ኵሎም ግዱሳትን ንጡፋትን ዜጋታት ጻኦርታቶም ከኻዕብቱን ኣወንታዊ ተሳትፎ ክገብሩን ጸዋዒቱ ኣቕሪቡ። ኣብ መግለጺ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ሰፊሩ ዝርከብ ኣድራሻ ተጠቒሞም ምስ ዝራኸቡና ሸነኻት ድም ምሉእ ምትሕብባር ክንገብር ኢና ክብል መብርሂኡ ዛዚሙ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3358

Posted by on Jul 10 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net