ወኪል ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ናህዳ ኣብ ሆላንድ ዕዉት ናይ ስራሕ መደብ ኣብ ሃገር ስዊድን ኣካይዱ.

ወኪል ዲሞክራሲያዊ ስልፊ ናህዳ ኣብ ሆላንድ ኣቶ መሓመድ ሓቀዲን ኣብ ሃገር ስዊድን ዝገበሮ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ሰራሕ ዑደት ብዓወት ተዛዚሙ. 

ኣቶ መሓመድ ሓቀዲን ኣብ ሽወደን ኣብ ዝጸናሓሉ ጊዜ ሓደ ዓቢ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ቀዳም 6 ግንቦት 2006 ኣብ ሱንደበሪ ስቶክሆልም ኣካይዱ: ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝህቦ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ስልፊ ናህዳ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ዘመዝገቦ ዓወታት ድሕሪ ምገላጽ ንተሳተፍቲ ምጽንባር ውደብ ናህዳ ናብ ኪዳን ኣበሲሩ.ብተወሳኺ ኣቶ ሓቀዲን ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ቀዳምነት ዝውሃቦ ጉዳይ ሃገራውነት ኮይኑ ኩሉ እቲ ካልአዊ ጉዳያት ንቓልሰና ከይጎተቶ ቆላሕታና ከነስፋሓሉ ከምዘለና ሓቢሩ::ኣብ መወዳእታ ኣቶ ምሓመድ ሓቀዲን ካብ ተሳተፍቲ ንዝመጹ ሕቶታት መሊሱ:: 

ኣብ ዝቐጸለ መዓልቲ ሰንበት 07 ግንቦት 2006 ኣቶ መሓመድ ሓቀዲን ምስ መደበር ቴለቪዝን ኣዳል ስፍሕ ዝበለ ዘተ ኣካይዱ ካብ ኣዳለውቲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ከኣ ብዕምቆት ብምምላስ ንተኻታተልቲ መደባት ቲቪ ኣዳል እኹል ሓበሬታ ብዛዕባ ዲሞክራሲያዊት ሰልፊ ናህዳ ክረኸቡ ኣኽኢልዎም::

ኣብ መደምደምታ ዑደቱ ከአ ኣቶ ሓቀዲን ድሕሪ እቲ ከካይዶ ዝቐነየ ጹቡቅ ርክባት

ናይ ሰልፊ ናህዳ ጨንፈር ሽወደን ድሕሪ ምቓም ዑደቱ ዛዚሙ ተመሊሱ.

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3292

Posted by on May 9 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net