ኤርትራ፡ ክልተ ኣህጕራዊ ናይ ረዲኤት ትካላት ኣባሪራ

ቤት ጽሕፈት ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን 06.11.2006 ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ዲፕሎማስይዊ ምንጪታት፡ ሕጂ ውን ስርዓት ኢሳያስ ክልተ ኣህጕራዊ ናይ ረዲኤት ትካላት ካብ ኤርትራ ክወጻ ከምዝወሰነት ኣረጋጊጾም። እተን ክባረራ ዝተወሰነለን ናይ ረዲኤት ትካላት ኣህጕራዊ ናይ ድሕነት ኮሚቴን International Rescue Committee) ሳምራዊ ማህደር (Samaritan Purse) ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ዩ.አስ. አይድ (USAID) ዝተባህለ ናይ ኣመሪካ ናይ ረዲኤት ትካልን፥ ከምኡ ውን፡ ብውሑዱ 11 ዝዀና ካልኦት ናይ ረዲኤት ትካላት ካብ ኤርትራ ከምዝተባረራ ዝዝከር ኢዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ሓደ ጣልያናዊ ዲፕሎማት (ባንዲኒ)፡ ኣባላት ዓቃሚ ሰላም ዝዀኑ ሰራዊት ናይ ሃገራት ምዕራብ ካብ ኤርትራ ከምዝተሰጉ ውን ይፍለጥ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ናብ’ተን ክልተ ናይ ረዲኤት ትካላት ዝለኣኾ መልእኽቲ “ኣብ ኤርትራ ክትሰርሑ ተዋሂብኩም ዝነበረ ፍቓድ ካብ 15 ሕዳር ጀሚሩ ውዱቕ ኰይኑ ኣሎ ዝብል ኢዩ። እዘን ክልተ ማሕበራት እዚኣተን ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ማሕበራት ምዃነን፤ እቲ ሽግር ናይ ምብራቕ ሱዳን ስለእተፈትሐ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ስርሐን ክቕጽላ ኣድላዪነት ከምዘይብሉን እቲ ብመንግስቲ ኢሳያስ ዝተላእከለን መልእኽቲ ይሕብር። መንግስቲ ኣስመራ፡ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ንኽወስድ ዝደረኾ ምኽንያታት፡ ነቲ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ዘሕለፎ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ሃገራት ምዕራብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝኣክል ጸቕጢ ኣይገበራን ዝብል ምዃኑ’ዩ ዝእመን ክብል ሮይተርስ እተባህለ ኣህጕራዊ ናይ ዜና ማዕከን ገሊጹ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3349

Posted by on Nov 6 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net