ከይንጣዓስ ንህዝብና ንኽሓስ
ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ ኖርወይ 04/11/06
ኣንቱም ኣማዕደውቲ ኣየብቲ ኣይምስቲ
ኣብ ኣጉል ዘለኹም ዱልዱላት ተበለጽቲ
ህዝቢ እናቓህመ ከም ጓኖት ተዓዘብቲ
ነብሶም ዘይቋጻጸሩ ፈራሓት ተጣራጠርቲ
ኮፍ ኢልካ ዓወት የለን ምርኡያት ሊቃውንቲ
ደገኹም ሃገራውያን ውሽጥኹም ተጻባእቲ
ይዋእኩም ቃራሙ ህግደፍ ነጋሮ መባጻሕቲ
ኣደታትኩም ይነብዓ ንስኻትኩም መዳመቕቲ
ይራገም ኣሎ ህዝብና ኮንኩሞ ዕሱባት ጸላእቲ
ኣብ ዝዓነወት ባቡር ህግደፍ ተሳፈርቲ
ማሕበር ተጻብኦ ምምሕዳር ቀንጸልቲ
ደም ሰብ በንዚናኦም ኣዕጽምቱ ዘይቲ
ብምቕታል ብልጫ ዝወሰዱ ፓተንቲ
ይዋእ ደገፍትኹም ኣርኪባቶም ወቕቲ
ካብዚ ንሰምኤዖ ዘለና ዝኸፍእ የለን
ኡይ ንበል ንንባዓሉ ሓቢና ንሕዘን
ብዘይካና ዝጣበቐሉ ዋላ ሓደ የለን
እናፈለጥና ኣይንተሓባእ ኣይንድነን
ናይ ሓባር ጸገም ኣሎ ኣብ ቅድመና
ናበይ ምስባዓል መንሞ ዝብል ኣብውጥና
ካብ ህግደፍ ተላቐቑምበር ክንፈትሖ ኢና
ካብ ብማዕዶ ንቃራረብ ክንሰርሕ ሓቢርና
ንዘይንደልዮም ክንኣልቶም ተላዚብና
ኣሕዋት ኣይትገርሁ ንቐናን ኣይትቃለሱ
ሕሰቡ ኣብ ዝሞተ ባሕሪ ኣይትሓምብሱ
ንቕጽና ንህግደፍ ኣይጠቐሞን ሰላም ተመለሱ
ምስ ኩነታት ተጓዓዙ ድሓር ከይትጣዓሱ
እነፍቅሮ ህዝብና ከይጸነተ ሎሚያ ምኽሓሱ
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዋኣትና
ኣሜን
Short URL: https://english.farajat.net/?p=3549