ጥርጣረ መራሕቲ ሱዳናውያን በጃ ኣብ ልዕሊ መንጐኝነት ኤርትራ

 

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
13.07.2006

መራሕቲ ውድብ “ሙእተመር በጃ” (ጕባኤ በጃ) ኣብ ሱዳን ኣብ’ቲ ብዕለት 17 ሓምለ 2006 ኣብ ኣስመራ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ልዝብ ኣብ መንጐ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ግንባር ሱዳንን ኤርትራ ሻራ ዘይብላ መንጐኛ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢያ ኢሎም። ካብ’ዚ ተበጊሶም እቲ ልዝብ ኣብ ኤርትራ ዘይኰነስ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ክኸውን ጠሊቦም። ከምኡ ውን፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ነቶም ናይ ውሽጣዊ (ሱዳናውያን) በጃ፡ ኣብ’ቲ መትከላዊ ስምምዕ እተበጽሓሉ ልዝብ ንኽይሳተፉ ዝገብሮ ዕንቅፋት ነቒፎም። ነቲ ኣብ ጕባኤ ተሰነይ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል መንግስቲ ኣስመራ እተኸየደ ኣፈናዊ ርክብ ንዝመጽእ ዘሎ ልዝብ ድማ፡ ናይ ኣኼባታት ትያትር ኢዩ ክብሉ ገሊጾሞ።

ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ሰክረተር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ህግዲፍ ዝሃቦ ኣብ’ቲ ልዝብ ናይ ምብራቕ፡ ናይ ውሽጢ በጃ ክሳተፉ ዘየፍቅድ ቀይሕ ሕንጻጽ ኣሎ ዝብል መግለጺ ብምጥቃስ፤ ዓሊ ሙኒ፡ ኣቦ መንበር “ሙእተመር በጃ “ኤርትራ፡ ኣብ ልዝብ ምብራቕ ሱዳን መንጐኛ ክትከውን ብቕዕቲ ኣይኰነትን” ኢሉ። ኣቡ ፋጥና ኣሕመድ ኦኑር፡ ኣባል መሪሕነት ግንባር ምብራቕ ከኣ፡ ነዚ ኣመልኪቱ፡ “ኤርትራ፡ በቲ ክሳዕ ሕጂ ዝተጓዓዘቶ መንገዲ ከፊላዊ ፍታሕ ደኣ’ምበር፡ ንምሉእ ፍታሕ ናይ ግንባር ምብራቕ ኣይትደልን ኢያ። እዚ ከኣ፡ ነቲ ግጭት ኣብ ዝደለየቶ እዋን ክትውልዖ መታን ክጥዕማ ኢላ ኢያ። ህዝቢ በጃ ግን፡ ምብራቕ ሱዳን፡ ኤርትራ ንረብሓታታ ክትብል እትጻወተሉ ናይ ተጽዕኖ ወረቕት ክኸውን ቅሩብነት የብሉን” ኢሉ። ኤርትራ ናጻን ሻራ ዘይብላን መንጐኛ ስለዘይኰነት፡ እቲ ልዝብ ኣብ ካልእ ቦታ ክካየድ ድማ ጠሊቡ።

እዚ መግለጺታት’ዚ ኣብ ዝውሃበሉ ዘሎ እዋን፡ ብመንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ሱዳን እተዳለወ ናይ ደቂ ምብራቕ ሱዳን ናይ ምኽሪ ኣኼባ ኣብ ዝካየድሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ውን ዝፍለጥ ኢዩ። ኣብ’ዚ ብዕለት 13 ሓምለ 2006 ዝካየድ ናይ ደቂ ምብራቕ ናይ ምኽሪ ኣኼባ፡ ምኽትል ፕረሲደንት፡ ዓሊ ዑስማን ጣሃ ናይ መኽፈቲ ቃል ክህብ ኢዩ። ኣብ መዕጸዊ ናይ’ቲ ኣኼባ ድማ፡ ፕረሲደንት ሱዳን፡ ዑመር ሓሰን ኣልበሺር ቃል ከስምዕ ምዃኑ፡ ናይ ሱዳን ናይ ዜና ምንጪታት ገሊጸን።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3362

Posted by on Jul 13 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net