ኤርትራ ከም ተራ ተዛታይትን መንጎኛን ኮይና ትጻወት ኣላ ክብል ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ቢጃ ከሲሱ።

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
17-08-2006
 
ጋዜጣ ካርቱም ብዕለት 17 ሓምሌ ኣብ ዘውጻኣቶ መበል (6123) ሕታማ: ሓላፊ ፖለቲካዊ ጕዳያት ውድብ “ጉባኤ በጃ ንዳግመ-ህንጻን ልምዓትን ቀይሕ ባሕሪ”: ኣቶ ዓብደላ ዑመር ካብ ዝሃቦ መግለጺ ብምጥቃስ፤ ኤርትራ፡ “መንጐኛን ተዛታይትን” ኰይና ትቐርብ ስለዘላ፡ ″ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዘለዉ መራሕቲ ጉባኤ በጃ ንመንጎኝነት ኤርትራ ክጥርጥሩ ምጅማሮምን፤ ጉዳይ ዝርርብ ሰላም ካብ ኤርትራ ናብ ካልእ ሃገር ንኽቕየር ጠሊቦም ምህላዎምን″ ሓቢራ። ኣቶ ዓብደላ ቀጺሉ፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ዝጻረር ካልእ ናይ ድሕነት ግንባር ኣብ ምብራቕ ሱዳን መታን ከይፍጠር፤ ንዅሉ ሸነኻት ናይ ምብራቕ ሱዳን ዘዋስእ ናጻ ዝዀነ መድረኽ ክኽፈት ኣለዎ ኢሉ። እቲ ልዝብ ከኣ፡ ብዛዕባ ጕዳይ ምብራቕ ሱዳን ከተኵርን፤ ናብ ዞባውን ውልቃውን ኣጀንዳታት ከየምርሕን ኣጥንቂቑ። ነዚ ዘበሎ ምኽንያት ድማ፡ ጉባኤ በጃ ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ዕቃቤታት ስለዘለዎን፤ ብኤርትራ ዝመጽእ ናይ ሰላም ፍታሕ፡ ጐደሎን ንዝተሓተ ጠለባት ናይ መላእ ህዝቢ ምብራቕ ሱዳን ዘየማልእን ምዃኑ ውን ኣሚቱ።

ብኻልእ ሸነኽ ጋዜጣ ካርቱም፡ ዶክተር ሙስጣፋ ዑስማን እስማዒል፡ ኣብ ኣስመራ እትው ምስ በለ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዝርርብ ሰላም ምብራቕ ሱዳን ብዛዕባ ምክፍፋል ሃብቲ ምስ ወድአ፡ ናብ ጸጥታዊ ጕዳያት ክሰጋገር ኢዩ ከምዝበለ ገሊጻ። ብኻልእ ወገን፡ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ሓላፊ ዝርርብ ዘተ ሰላም ምብራቕ ሱዳን: ብዛዕባ ጸጥታዊ ጕዳያት ዝግበር ዝርርብ ሓደ ሰሙን ዝኸውን ጊዜ ክወስድ ምዃኑን፤ እቲ ልዝብ ብጽቡቕ ይቕጽል ምህላውን ከምዝገለጸ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

ስርዓት ኣስመራ ኣብ ጉዳይ ዝርርብ ሰላም ምብራቕ ሱዳን: ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ ቀንዲ ተዋሳኢ ንምዃን ስለዝተጓየየ፤ ኣአንጋድን መንጎኛን ክኸውን ከምዝበቕዐ ዝዝከር ኢዩ። ፖለቲካውን ማሕበራውን መራሕቲ ጉባኤ በጃ ድማ፣ ኣብ ልዕሊ መንጎኝነትን ብቕዓትን ንጽህናን ስርዓት ኤርትራ ዘለዎም ጥርጣረን ስግኣትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ክገልጹ ጸኒሖም ኢዮም። ብፍላይ ድማ ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ እዋናት፡ ካብ ውሽጣዊ ቅልውላዋቱን፡ ካብ ዞባዊ ተነጽሎን ንምውጻእ ክገብሮ ዝጸንሐ ምንቅስቓሳት፡ ከምኡ ውን፡ ኢሳያስ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ናይ ዞናና ኣርሓ ኰይኑ ንኽርአን፤ ንሓባራዊ ዕብየት ዝዓለመ ተበግሶታት መራሕቲ ናይ ዞናና “ተበግሶ ናይ ጐርሓት” ኢሉ ከቈናጽቦ ምፍታኑን ንጥርጣረታቶምን ስግኣቶምን እናኣዕዘዞ ከምዝመጸ ዝዝከር ኢዩ።  

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3374

Posted by on Aug 17 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net