መድረኽ ምስግጋር

ነሓሰ 15-2006 ረ.ክ. (ባሻይ)

መድረኽ ምስግጋር መርገጽካ ምንጻር

ክንደይ ሳዕ ኣለካ ይትረፍ ምቅብጣር

ይቀዳሕ ጽሩይ ማይ ይደፋእ ሓተላ

ይተሓጸብ ፈርሲ ይገንጸል ሽንፍላ

      ንጽድቂ ብጸሎት ንምልኪ ብጒልበት

      ብዓል ንጹር እምነት ብዘሎካ ክተት

      ሓንሳእ ምስ ጸመድካ ኣይትሓውስ ሰጋእ

      ትኣምኖ ህዝብኻ ብድሕሪት ከይውጋእ

ህዝብና ሓሲሩ ካብ ተቖጽረ ህበይ

ይትረፍ ነቀይ-ነቀይ ንበል ደቀይ-ደቀይ

ኣማዕዱ ጠለምቲ ሕዀር ኣብ እራራ

ንሱ እያ ትደሊ ሃገርካ ኤርትራ

      ሰሊኾም ከይኣትዉ ብዓል ዕሶ-ምሶ

      ፈንጥሓዮ ገመድ ዝኣረገ ፍሕሶ

      መን ድኣ ከፍርሶ ናይ ከድዓት ህንጻ

      ኣሕዋት ደፊኑዎም ናይ ስሃራ ሕጻ

ኣኺሉ እምበር እዋን ትሕዝቶኻ ፍለ

ካብ ገንኢ’ውጽኣዩ ይእቶ ናብ ብርለ

ይዕገብ ዓይኒ ’እምሮ ልሳን ይቀበሎ

ደይ ብድሕሪኡ’ዩ ናይ ብሓቂ ኣውሎ

      መዕረፊኻ ፍለጥ ነንእድኻ ውሰድ

      ሽዑ’ዩ ዝፍለጥ ናይ ከድዓት ሸደድ

      እንዳ ርኣኻዮ ዳስካ ተወሲዱ

      ’ታይ ጽላል ክኸውን ቴንዳ ተቐዲዱ

ኣለልዮም ደጊም ብዓል ውጥም ቅልቅል

ሓደ ማይ የቐብል ሓደ እምኒ ’ፍንቅል

ንሱ’ዩ ቋንቍኦም ብዓል ዘርም-ዘርሞ

ናጤባ ነይገድፍ ዝረቐቐ ህድሞ

      ኣልዕሎ እቲ መርገጽ እቲ ዝጀመርካዮ?

      ሰልኲ ኣትዮምኻስ ድሮ ረሲዕካዮ!

      ንድሕሪት ነይምለስ ኣርሓ ምስ ነቀወ

      ዓወት ፈላይኡ ህዝቡ ዘማዕደወ!!

ረ.ክ.(ባሻይ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2418

Posted by on Aug 15 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net