ደምዳሚ ኣዋጅ ሻድሻይ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

 ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ካብ 21-25 ግንቦት 2006 ሻድሻይ ሱሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ ኣኼብኡ ውሳኔታት ማእከላይ መሪሕነት ብዛዕባ መጻኢ ጉዳያት ክሳብ ኣብ ዝምጽእ ናይ ኪዳን ጉባኤ እንታይ ከምዝመስል ተዓዚቡ። በቲ ውሳኔታት ተደሪኹ መደብ ዕዮ ቤት ጽሕፈታት ኣቐሚጡ። ድሕሪ ነዊሕ ሃናጺ ክትዓት ድማ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኩሉ መዳያት ክከም ደረጀኦም ንመደባት ስራሕ ከሳልጡ ዝኽእሉን ንመጻኢ መድባት ኣድለይቲ ዝኾንዎም መንገድታት ሓንጺጹ። ከምእውን ቤት ጽሕፈት ክማላኡ ዘለዎም ዓይነታትን ጸባያትን ኣባላት ሽማግለ ኣዳላዊት ጉባኤ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኤርትራን ከምእውን ሽማግለ ዘተ ሃገራዊ ዋዕላ እተዳልው ዝቲዩን ከመይ ክኸውን ከምዝለዎ ተኻቲዕ። ንዑኡ ብዝምልከት ከኣ ስም ሓደስቲ ኣባላት ናይ ክልቲኤን ሽማግለታት ብምምዛዝ ዘርዚሩን: ግዲኤንን መበገሲኤንን በቲ ማእከላይ መሪሕነት ዝወሰኖ ውሳኔታት ክኸውን። ፈጻሚ ቤትጽሕፈት ኣብ ኣኼብኡ ኣገዳስነት ጹዑቅ ስራሕ ጎስጋሳት ብምግንዛብ ንኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን  ዝርከብ መላእ ሓፋሽ ኤርትራ ሓያል ጎስጋሳት ከካይድን ግዲኦም ኣብ ምልቃቕ እቲ ኣብ ስልጣን ብዘይ ጹንዕ ኣተሓሕዛን ዲክታቶርያዊ ስራሓቱ ኣብ ዝባን ህዝቢ ኤርትራ  ከየተግበረ ክነብር ዘይክእል ኣረሜናዊ ስርዓት ንምውዳቁ ዓቢ ተራ ንኽጻወቱ ከም ዝበራበሩ ምግባር።

ፈጻሚ ቤትጽሕፈት ብምኽንያት መበል 15 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ንሓይልታት ጸጥታን መዳበርያ (መሳርሒ) ናይቲ ስርዓት ካብ ምኻን ገዲፎም ኣብ ጎኒ እቲ ዉጹዕ ህዝቦም ደው ብምባል ኣብ መስርዕ ሃገራዊ ንዲሞክራስያዊ መቐይሮ ኣብ ምትግባር ክሳተፉ ጸዊዕ። ከምእውን ጻዊዒቱ ናብ ደገ ዝነብር ህዝብና ቃልስታቱ ከሕይልን ተግባራት ጨፍጫፍን ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መስላትን ብተግባራቱ መዳርግቲ ዘይብሉ ስርዓት ኣብ ምቅላዕ ክሳተፉን ጸዊዑ: ምውዳቅ ስርዓት ምእንቲ ክቀላጠፍ ገንዘባዊ ሓገዛቶም ኣብ ምብርካት ከሕይሉ ደጊሙ ጸዊዑ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

25ግንቦት 2006ዓ.ም

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3409

Posted by on May 25 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net