ኣለኹምዶታ? ሃገር ተዘሚታ ብምልእታ!

ብ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) 26-05-06

ኣለኻዶ ዓዃይ? ማይ እምበር ሃሪሙ

ዘርኢ እንተዘይብልካ እንታይ’ዩ’ሞ ጥቕሙ

መሬት ኣቦታትካ እንተተወሲዱ

መን ከስተባህለሉ በሪቑ ነጒዱ

      ኣለኻዶ ሸቃላይ? ኣንታ ብዓል ሞያ

      ኣበይ ድኣ ከብል እሰርሕ ጽርግያ

      ዓሚ ወዲእናዮ ስርናይ ሂቦምና

      ለብዘበን መጺኦም ኣግፍሕዎ ’ብሉና

ኣለኻዶ ተምሃራይ ’ታይ ኰንካ ትትክዝ?

ምህላውሲ ኣለኹ ፈሪሀ ከይጒብዝ

ይሕባእ ኣለኹ ሓወይ ተገፊፉ

ኣይ ኩሉ እንድዩ ኰይኑ ጠበንጃ መጽሓፉ

      ኣለኹምዶ ኣቦታት? ሰብ አደራሽ ህድሞ

      እንታይ ሃለዋቱ ንኣዳም ገረሞ

      ባይቶ ከይንወርድ ከነጽድቕ ሕጊ

      ስቕ በሉ ይብሉና ኣየድልን ዘንጊ

ዘይነጽፍ ማህጸነን ክንደይ ትወልድኦም?

እንታይ ድኣ ክንገብር ዝጠፍኡ በዚሖም

እቶም ዝቐደሙ ኣብ በረኻ ይጸንቱ

ተመሊሶም ድማ ከብድና ይጥምቱ

      እዚኦም ’ዮም ህግደፍ ርኣይዎም በሉ

      ነጻ ወጺእካ ኢሎም ትማሊ ዘብዓሉ

      ናይ ሓሶት ጎሮሮ ክግዕሩ ዝውዕሉ

      ሓሰር ዘረብኦም ዝስፈር ዘይብሉ

ወይልኡ ለብዘበን ምስ ጠላም ዝስዕስዕ

ኣእምሮ ስሒቱ ስዉኣት ዝርስዕ

ኣብ ከብዲ ዘይበጽሕ ዘይረብሕ ዘኾምስዕ

ኣብ ዝበጽሖ የብሉን ናይ ሌባ ፍንጥሪዕ

      ደም ሰዉእ ረጊጹ ምስ ከዳዕ ዝዝቲ

      ዝኸውን ገዲፉ ዘይከውን ልፍንቲ

      መዝጋቢት’ያ ሃገር ኩሉ በብሓንቲ

      ምዓልቱ ምስ በጽሐስ ሕርኽራኽ ይሰቲ!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2434

Posted by on May 26 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net