News

ካብ ኣቦ-መንበር ፈጻሚት ቤት-ጽሕፈት ብዛዕባ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብዝምልከት ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

27.12.2006
     እቲ ብተጋዳላይ ሑሴን ኸሊፋ ንኽፍሊ ዜና ኪዳን ዝተዋሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ: ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ መፋርቕ የካቲት 2007 ክካየድ ምኻኑ ሓቢሩ። እዚ ክኸውን ዝኻኣለ መብዛሕተኤን ውድባት ብውድባዊ ስራሓተን ስለዝተጸምዳ    ካብቲ ሕዝናዮ ዘለና ወርሒ ተመዲቡ ዝነበረ ንኽናዋሕ ስለ ዝጠለባ ኮይኑ፣ ከምእ’ውን እኹል ምድላዋት ንምግባር እዩ ክብል ገሊጹ። ቅድሚ ጉባኤ ግን ኣኼባታት ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈትን ማእከላይ መሪሕነትን ክከየድ ምኻኑ ሓቢሩ። ንሱ ብምውሳኽ ምክያድ ጠቕላሊ ጉባኤ ኪዳን ኣብ ስራሓት ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ መጻኢ እዋናት ዓይነታዊ መቐይሮ ንምምጻእ ዝዓለመ እዩ ኢሉ። ስለዝኾነ ኸኣ ነቲ ስራሕ ኣብ ዝተፈላለየ ሸነኻቱ ዘዐውቱ ኣባላት የድሊ። ብዛዕባ ምድላዋት ጉባኤ ብዝምልከት ኣቶ ሑሴን ኣብ መግለጺኡ ብኹሉ መልካዓቱ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሴ ምድላዋት ከም ዝጀመረን ነቲ ጉባኤ ዝኸውን ናይ ኩለን ውድባት ርእይቶታትን ሰነዳትን ተዳልዩ ተወዲኡ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ከምእ’ውን ኣብዚ ርእይቶታት ንናይ መጻኢ መድረኽ ከመይ ከምዝኸውን ዝሓዘለ ሓሳባት እዩ።

እተን ኣባላት ውድባት ኪዳን ኣብቲ ጉባኤ ብተደረብቲ ኣባላት ወከልታ ኣብ ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ክሳትፋ እየን።

ኣብ መወዳእታ እቲ ጉባኤ ብፉሉያት ብሉጻት ማዕከናት ዜና ክንጸባረቕ ከምዝኾነ ሓቢሩ። 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top