ቁሩቁስ ናይ ሞባእ ተጸላእካስ በልስ
ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ ኖርወይ 27/12/06
ሓንጎሉ ዝዞሮ ዝገብሮ ዘይፈልጥ ዓቕሉ ዘጽበበ
መሳጊድ ቤተክርስትያናት ክዓጹ ካብ ተሳባሰበ
ሄለን መለስ ፍርፍርላ ዓይነይ ኢላ ካብ ትንበ
ጉድ ክንሰምዕና ሎምዘበን ቁሩብ ጥራይ ንጸበ
ንቤ ክርስትያን ተባሂሉ ሞባእ ዝተመጽወተ
ህግደፍ ዘሚትዎ ቋሕ ኢሉ ዓይኑ ከይዓመተ
ሃይማኖታት ፋብሪካ ኮይነን ክፍሊ ማእቶተ
ብግዲ ልፍንቲ ኣትዩ ብተንኮል እናተባላሓተ
ብዝሃሰሰ ካኪ ቻይና ለቢሶም እናፋራርሑ
ከም ሰብ መርድእ ወጋሕታ ገዛ ናዃሕኩሑ
መልሓሶም ዘልዚሎም ከም ከልቢ እናነብሑ
ብገንዘብ ህዝቢ ዘጥረይዎዩ ናብርኦም ገፊሑ
በለስ ድርፎ በልስ ናይ ዓርበረቡዕ
ህግደፍ ባዕሉ ይሸጦሎ ድኻ ከይበልዕ
ንሰዊት በለስ ድማ ክንድዚ ጸፋዕፋዕ
መጣቓዕቲ ንገርዎ ዓምኹም ከይፍርፋዕ
በዓል በለስ ተጸዋዕካስ ጀነራል ባዓል መቝለብ
በል ቅረፈለይ ተልካስ ኮለኔል ኢዱ ስብስብ
ሓሳብ ግበር ተልካስ ሚንስተር ተሓዝ ገንዘብ
ከይሰራረቑ ድማ ባጽዕ ዓባይ ትሕሉ ትጸባጸብ
ክሰቕልዎዮም ኣብ ፋርማቻ ከም መድሃኒት
ንተኣምር ክዕጾዩ ቤት መቕደስ ቤት ጸሎት
ናብ ህግደፍ ክንሰግድ ጋኒን ዝመረቖ ጣኦት
ናብ በላዕቲ ሰብ ናብ ዝጠፈሹ መልኣከሞት
ክፍኣቶም በዚሒ ሎምስ ተዳናጊሩና
ንኽትገልጾ ጸገም ኣብ ክንዳኦም ሓፊርና
ሃገር ተናዊጻ እንዳ እሰር ረሽን ኮይና
ሰብ ምዃና ተረሲዑ ኣህባይ ተቐይርና
ኣንቃዕሪርና ንሓድር ህግደፍ ከይኹሕኩሑና
ናበይና ከነብል ቆልዓ ሰበይቲ ኣረጊት ሒዝና
ክሳብ መዓስዩ ክነብር ብኸምዚ ሎምስ መሪሩና
ኣብወጻኢ ዘለኹም ንዓለም ንገሩ ኡይበሉልና
ዘለኣለማዊ ክብሪ ን ስዋኣትና
ኣሜን
Short URL: https://english.farajat.net/?p=3555