News ብኣጋጣሚ መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ካርቱም ሰሚናር ኣካይዱ By farajatPublished 30/09/2006Updated 17/02/20112 min read0 comments ቤት ጽሕፈት ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን 30.09.2006 ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ፡ ብዙሓት መራሕትን ካድራትን ውድባት ኪዳን እተሳተፍዎ ፖለቲካዊ ሰሚናር ብዕለት 29.09.2006 ኣብ ካርቱም ኣካይዱ። እቲ ሰሚናር፡ ብሓው መሓመድ ሳልሕ፡ ወኪል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ካርቱም፡ ዝሃቦ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም መልእኽቲ ተኸፊቱ። ኣስዒቡ፡ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጅግና ስውእ ሓሚድ ኢድሪስ ዓወተ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ምጅማር ሰውራና ከበስር እንከሎ፡ ኣብ ዘመናዊ ብረትን ብዝሒ ናይ ተጋደልትን ተመርኲሱ ዘይኰነስ፤ ነቲ ናይ ህዝብና ጽምኢ ናይ ናጽነትን ሓርነትን ፍትሕን ብምግንዛብ ኢዩ ኢሉ። ቀጺሉ፡ ህዝብና ኣብ’ዚ 30 ዓመታት ናይ ሓርነታዊ ውግእ ንመዘና ዘይብሉ ጥሜትን ስደትን ስንክልናን ተቃሊዑ ኢዩ ኢሉ። ብሳላ’ዚ መስዋእቲ’ዚ፡ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ’ኳ ሓራ ትውጻእ ደኣ እምበር፤ ፍረ ናይ’ዚ ቃልስን መስዋእትን’ዚ ግን ብውሑዳት ኤርትራውያን ተጨውዩ ንረብሓኦም ከምዝውዕል ዘሎ ውን ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብሪሁ። ሎሚ፡ ንሕና ንመበል 45 ዓመት ዝኽሪ ብረታዊ ተጋድሎና ኣብ እነብዕለሉ ዘሎና እዋን፡ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ካብ እትኸውን 15 ዓመታት’ኳ እንተሓለፈ፤ ኵነታት ህዝብና ግን፡ ካብ’ቲ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበሮ ዝኸፍአን ዝበኣሰን’ዩ ኰይኑ ዘሎ። ህዝብና፡ ጌና ካብ ውግኣትን ጥሜትን ስደትን ጭቆናን ኣይተገላገለን፤ መሬትና ድኣሉ ካብ ሰራዊት መግዛእቲ ሓራ ወጺኡ እምበር፡ ህዝብናስ ጌና ካብ ዲክታቶርያዊ መግዛእቲ ናጻ ኣይወጸን ኢሉ። ኣብ መወዳእታ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብውሽጥን ብደገን ተነጺሉ ዘሎ ስርዓት ምዃኑን፤ ንለውጢ ዝሕግዝ ምቹእ ባይታ ተፈጢሩ ምህላዉን ድሕሪ ምሕባር፤ እቲ ስርዓት ብድኻም ናይ ተቓወምቱ ዕድመ ስልጣኑ የናውሕ ከምዘሎ ኣሚቱ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ሓድነቶም ከደልድሉን፤ ምስ ህዝቢ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ንዲክታቶርነት ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትክኡ ቃልስታቶም ከሐይሉን ጸዊዑ።
Comments