ብኣጋጣሚ መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ካርቱም ሰሚናር ኣካይዱ

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

30.09.2006

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ፡ ብዙሓት መራሕትን ካድራትን ውድባት ኪዳን እተሳተፍዎ ፖለቲካዊ ሰሚናር ብዕለት 29.09.2006 ኣብ ካርቱም ኣካይዱ።

 እቲ ሰሚናር፡ ብሓው መሓመድ ሳልሕ፡ ወኪል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ካርቱም፡ ዝሃቦ ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም መልእኽቲ ተኸፊቱ። ኣስዒቡ፡ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ጅግና ስውእ ሓሚድ ኢድሪስ ዓወተ፡ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ምጅማር ሰውራና ከበስር እንከሎ፡ ኣብ ዘመናዊ ብረትን ብዝሒ ናይ ተጋደልትን ተመርኲሱ ዘይኰነስ፤ ነቲ ናይ ህዝብና ጽምኢ ናይ ናጽነትን ሓርነትን ፍትሕን ብምግንዛብ ኢዩ ኢሉ። ቀጺሉ፡ ህዝብና ኣብ’ዚ 30 ዓመታት ናይ ሓርነታዊ ውግእ ንመዘና ዘይብሉ ጥሜትን ስደትን ስንክልናን ተቃሊዑ ኢዩ ኢሉ። ብሳላ’ዚ መስዋእቲ’ዚ፡ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ’ኳ ሓራ ትውጻእ ደኣ እምበር፤ ፍረ ናይ’ዚ ቃልስን መስዋእትን’ዚ ግን ብውሑዳት ኤርትራውያን ተጨውዩ ንረብሓኦም ከምዝውዕል ዘሎ ውን ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብሪሁ።

ሎሚ፡ ንሕና ንመበል 45 ዓመት ዝኽሪ ብረታዊ ተጋድሎና ኣብ እነብዕለሉ ዘሎና እዋን፡ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ካብ እትኸውን 15 ዓመታት’ኳ እንተሓለፈ፤ ኵነታት ህዝብና ግን፡ ካብ’ቲ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበሮ ዝኸፍአን ዝበኣሰን’ዩ ኰይኑ ዘሎ። ህዝብና፡ ጌና ካብ ውግኣትን ጥሜትን ስደትን ጭቆናን ኣይተገላገለን፤ መሬትና ድኣሉ ካብ ሰራዊት መግዛእቲ ሓራ ወጺኡ እምበር፡ ህዝብናስ ጌና ካብ ዲክታቶርያዊ መግዛእቲ ናጻ ኣይወጸን ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ብውሽጥን ብደገን ተነጺሉ ዘሎ ስርዓት ምዃኑን፤ ንለውጢ ዝሕግዝ ምቹእ ባይታ ተፈጢሩ ምህላዉን ድሕሪ ምሕባር፤ እቲ ስርዓት ብድኻም ናይ ተቓወምቱ ዕድመ ስልጣኑ የናውሕ ከምዘሎ ኣሚቱ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ሓድነቶም ከደልድሉን፤ ምስ ህዝቢ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ንዲክታቶርነት ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትክኡ ቃልስታቶም ከሐይሉን ጸዊዑ። 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3415

Posted by on Sep 30 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net