ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ናብ ጽልግልግ ዝበለ

ይብራህ መገዲ ከረኤ ስጉምቲ ክሰልጥ

                  ይብራህ መንዩ ተቓላሳይ ክንፈልጥ

                   ይብራህ ኣይ ንበል ባዕሉ ይፈልጥ

            ደምበርከ ንጽገና እዩ እዚ ኹሉ ገልበጥበጥ

              ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ናብ ጽልግልግ ዝበለ

  ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ንኹሉ ንጹር ክኾኖሉ

ተረሲዑድ’ዩ ሕቶ ጽገና ተፈቲኑ ነይሩ ተላዒሉ

ሕቶ ጽገና ዘልዓሉ ጂ15ን ኩሎም ኣበይ ኣበሉ

ሰልፊ ዲሞኩራሲ ብጽገና ንመንዮም ከከታልሉ

ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ናብ ጽልግልግ ዝበለ

                    ሰልፊ ዲሞክራሲ ኣጸቢቑ ይለለ ኣብ ደምበ ተቓውሞ

                    ንህግደፍ ምድንጋጽ’ዶ ኣይኮነን ዝብሉ ኣይንህረሞ

                    ግርም ምስ ኪዳን ተጸንቢሮም ክመስሉ ተቃውሞ

                    ኣንታ መን’ዩ ዘይ ደንጸዎ መንዩ’ኸ ዘይ ገረሞ

                        ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ናብ ጽልግልግ ዝበለ

     ግርም ሽም መዳናገሪ ሰልፊ ዲሞክራሲ መሪጽኩም

      ንዲክታይተር ያእይ ክትጽጉኑ ደም ከይ ተጸየኩም

     ንህዝቢን ሃገርን ዝወረደ ዕንወትን ህልቀትን ረሲዕኩም

     ንፍጹም ለውጢ ገዲፍኩም ንጽገና ካብ መረጽኩም

      ካብ ህዝብና ፈጺሙ የለን ዋላ ሓደ ዝሰምዓኩም

       ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ናብ ጽልግልግ ዝበለ

               በናና ጽገና ረጊጽና ሸታሕ ከይ ንብል ኣብ ገደለ

               ንለውጢ ዘይ ኣምን ይርሓቕ ካብ ኪዳን ብ’ኣጋ ይፈለ

               ኣንቱም ምስ ጽገና ትማሓዘዉ ተኣለዩ ከይለግበኩም ገለ  

               ሃገራዊ ፕረግራምኩም መደብ ዕዮኩም ካብ ናትና ዘይ ፍለ

               ቂምታን ቅርሕንትን ወጊድና ንድሕነት ኣብ ሓደ ንጠቕለለ

               ዜርና ዘርና ናታትና መደብ ዕዮ’ዩናይ ህዝቢ ራህዋ ጽላለ

ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ናብ ጽልግልግ ዝበለ

ኪዳን እንታዩ ብልሓቱ ተደፊኑ ዓይኑ ተዓሚቱ

ንገበነኛ ብጸገና ዝዳናገጹ ገይሩዎም ኣባላቱ

ወረግ ይፈለጥ ብልሓቱ ከመይ ክኸውን’ዩ ንምሸቱ

እኽደነና በኮንቱ ጻማኹ ዄና ከይ ንተርፍ ንምሸቱ

ባውዛ ሃርነት ኣብርሂ ናብ ጽልግልግ ዝበለ

                     ሰልፊ ድሞኩራስሲ ህዝቢ ኣይ’ተታሉሉ በጃኩም 

                     እዚ ኹሉ ብህግደፍ ተፈዘመ ገበን ረሲዕኩም

                     ሕማቕ ሕልሚ ምእንቲ ኣብ ስልጣኑ ከቃቕረኩም

                     ጠቕምኹም እምበር ስቓይ ህዝቢ ዘይ ዓጀበኩም

                     ኪዱ ኣንጊህ’ኩም ሓፋሽሲ ክዕወት’ዩ ኣብኣ’ትዴኹም

ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ናብ ጽልግልግ ዝበለ

 ኪኖ ጽገና ትሕቲ ባይታ ናይ ሰልፊ ዲሞኩራሲ

ክጽናዕ ኣለዎ ዝገደደ ከይ መጽእ ንህዝቢ ዝሃሲ

ይጽፈፍ ነገር ክጥዕመሉ ንመጻኢ ወለዶ ወራሲ

ንሓድሽ ወለዶ’ዩ ነብስና የሕሲምና እዚ ኹሉ ቓልሲ

ብረታዊ ቓልሲ ብ’ባዓል ኢሳያስ ተዓሚጹ’ሲ

ሕጂ ኽኣ ዳግመ ክሳራ ብጽገና ብሰልፊ ዲሞኩራሲ

  ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ናብ ጽልግልግ ዝበለ

              ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ኣብ  ጀብሃ ዝነበርኩም

             ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ኣብ ሽዓብያ ዝነበርኩም

             ብውልቀ ሰባት ዝተጨውየ ረብሓ ዓወት ኩሉኹም

             ሕጂ ውን ብሰልፊ ጸገና ከይ ጭወ ሙዑት ተቓውሞኩም

                      ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ናብ ጽልግልግ ዝበለ

ሰልፊ ዲሞኩራሲ ቃልሶም ንጽገና

ህዝቢ ኤርትራ ኣስተውዕል ኮሎ ጌና

ደቅኻ ዘህሎቑዎም ከይ ተሓሳሰብና

ብዕበጦ ጽገና ክሕለፍ ሂወት ዜጋታትና

ንገብነኛን ደምኛን ዘይ ፈርድ ጽገና  

 ካብሕጂ ሒዝኩም ኔው በሉልና

              ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ናብ ጽልግልግ ዝበለ

                 ህግደፍ ንተቓወምቲ ምስ ኢትዮጵያ ሃሪሞምና ኣንተበለ

                 በቲ  ሰራም ዕላሙኡ ንተቃወምቲ ካብ ህዝቢ ክንጽለ

                 ነስተውዕል ናይ ሰልፊ ዲሞኩራሲ ገለጻ ካብዚ ዘይ ፍለ

                 ብሓቂ ይመስክር መደሮኦም ኣንቢቡ ተዓዝቡ ዘስተውዓለ

ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ናብ ጽልግልግ ዝበለ

ስቕ ምባል ዒብ ነውሪ’ዩ ሓደጋ’ኡ እናረኤና

ክንዛረብ ኣሎና ኩሉ እቲ ጌጋ ዝራኣየና

ንገበነኛ ህግደፍ ምድርዓም ዘይ ይሳማሙዑና

ከመይ ጌሮምዮም ኣባላት ኪዳን ኩኾኑ ምሳና

ዋጉኡ ከቢድዩ ቐሊል ከይ መስለና

     ዓወት ነቶም ንፍጹም ለውጢ ዝቃለሱ ውድባት

     ዓወት ንምድርዓም ህግደፍ ዝሳማሙዑ ውጹዓት

     ህዝብና ስልጣኑ ክሳብ ዝጭብጥ ቃልስና ቐጻሊዩ

     ንስለዚ ኢዮም  ዝሓለፉ/ዝሃለፋ ስውኣትና

       ክብርን ዝኽርን ክ ኣ ንዓኣቶም/ተን ይኹን

       ብ ገብሪሂይወት (ኣብዓሸራ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2362

Posted by on Oct 2 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net