9 ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
22.11.2006
 

ትሽዓተ ኣብ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ዝሰርሑ ኤርትራውያን ብዕለት 12 ሕዳር 2006 ተኣሲሮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ከምዝለው፡ “ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት” እተባህለ ትካል ኣቃሊዑ። ካብ 12 ሕዳር ኣትሒዙ ኣባላት ጸጥታዊ ትካል ስርዓት ኢሳያስ፡ ናብ ሚኒስትሪ ዜና እናተመላለሰ፡ ንሰራሕተኛታት ክሓቱ ከምዝጸንሑ ውን፡ እቲ ምንጪ ሓቢሩ። እቶም ክሳዕ ሕጂ ኣስማቶም ተፈሊጡ ዘሎ እሱራት፡-

  1. ኣሕመድ ባጃ፡- ኤሪ-ቲቪ፤
  2. ሰናይት ተስፋይ፡- ኤሪ-ቲቪ፡ ክፍሊ ፈነወ ትግርኛ፤
  3. ጳውሎስ ኪዳነ፡- ኤሪ-ቲቪ፡ ክፍሊ ፈነወ ዓረብኛን ድምጺ ሓፈሽን፤
  4. ዳኒኤል ሙሴ፡- ድምጺ ሓፋሽ፡ ክፍሊ ፈነወ ኦሮምኛ፤
  5. ተመስገን ኣባይ፡- ድምጺ ሓፈሽ፡ ክፍሊ ፈነወ ትግርኛ፤
  6. የማነ ሃይለ፡- ናይ ኤርትራ ናይ ዜና ኣጀንሲ፤
  7. ፈትሕያ፡- ኤሪ-ቲቪ፡ ክፍሊ ዓረብኛ
  8. ስምኦን፡- ኤሪ-ቲቪ

ናይ መእሰሪኦም ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብርግጽ ዝተፈልጠ የለን። ግን፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ፡ 6 ዝዀኑ ዓበይቲ ጋዜጠኛታት ስለዝሃደሙ፡ ነቶም ዝተረፉ ንምርዓድ ተባሂሉ ዝተወስደ ስጕምቲ ክኸውን ይኽእል ዝብል ገምጋም ኣሎ።

እዚ ሓበሬታ’ዚ ኣብ ድሮ እቲ ብዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ከም መዓልቲ ደገፍ ንእሱራት ክኸውን ቅድሚ 17 ዓመታት እተወሰነ ዕለት 23 ሕዳር ናብ ኣእዛና ምብጻሑ ድማ፡ ነቲ ዝኽሪ ናይ እሱራት ዝያዳ ክብደት ክህቦ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን።

ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ተኣሲሮም ዘለዉ 139 ጋዜጠኛታት 22 ኤርትራውያን ምዃኖም ዝፍለጥ ኢዩ። ብደረጃ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ብምእሳር ናይ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ፡ ብደረጃ ዓለም ከኣ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ። ቻይና 32 ጋዜጠኛታት ብምእሳር፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ፡ ኩባ ድማ 23 ብምእሳር ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይርከባ።

ብብዝሒ ናይ ህዝብን ብዝሒ ኣብ ጋዜጠኝነት ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት እንተወሲድናዮ ግን፡ ኤርትራ ብዓለም ደረጃ ውን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ኢያ ትስራዕ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3434

Posted by on Nov 22 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net