News

ዜናዊ ጸብጻብ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
06.09.2006
 
1. ስርዓት ኢሳያስ ሓሙሽተ ኣባላት ሕቡራት መንግስታት ካብ ኤርትራ ክባረሩ ወሲኑ

ስርዓት ኢሳያስ ሓሙሽተ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ካብ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ካብ ኤርትራ ክባረሩ ከምዝወሰነ ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ናይ 5 መስከረም 2006 ኣቃሊሓ። እቶም ዝባረሩ ዘለዉ 5 ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ሮጀር ካርተር፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ፥ ጆንሰን ኣላስካ ሮይ፡ ካብ ኒውዚላን፥ ካምባ ጆዘፍ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ግላቨት በንጃሚን ዶሚኒክ፡ ካብ ላይበርያ፥ ጆን ዶክስተል ኣንቶኒ፡ ካብ ትሪኒዳድን ቶበጎን ኢዮም።

እቲ ብስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ’ዞም 5 ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ክሲ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ናይ ስለላ ስርሓት ተዋፊሮምን ንኤርትራውያን ውን ኣብ’ዚ ስራሕ’ዚ ኣዋፊሮምን ዝብል ኢዩ።

ቅድሚ ሕጂ ድማ፡ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከሰጋግሩ ተረኺቦም ተባሂሎም ከምዝተኣስሩ ዝዝከር ኢዩ።

2. ዝኽሪ መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና ከቢሩ ውዒሉ።

ብ1 መስከረም 2006፡ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ መደበሩ ንዝኽሪ መበል 45 ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና ኣብዒሉ ውዒሉ። ብጻይ ሓጂ መሓመድ፡ ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዝምልከት መግለጺ ሂቡ።

ከምኡ ውን፡ ብ2 መስከረም 2006፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብጻይ ወልደሱስ ዓማር ኣብ ዝተረኸበሉ፡ ዝኽሪ መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኣብ ዝርከብ ማእከል መንእሰያት ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ብክብ ዝበለ ድምቀት ከቢሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ብጾይ ተኽለ መለኪን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጕራዊ ዝምድናታትንን፥ ሓው ተስፋሁነይ መስፍን፡ ምኽትል ኣቦ መንበር ህደግኤን፡ ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ቃለ-መሓትት ምስ ረድዮ ምብራቕ ኣካይዶም። 

3. ኣኼባታት ኣብ ኣብ ሱዳን

ብጻይ ኢድሪስ እስማዒል፡ ኣባል ሰውራዊ ባይቶን ወኪል ውድብ ኣብ ከሰላን ብዕለት 24.08 ኣብ ከተማ ገዳርፍ ናይ ኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣኼባ ኣካይዱ ብዛዕባ ውጽኢት 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ከምኡ ውን፡ ብጻይ ኣብርሃም ገብረማርያም፡ ወኪል ውድብ ኣብ ፖርት ሱዳን ንኣባላት ጨንፈር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ፖርት ሱዳን ብዛዕባ ውጽኢት 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ መግለጺ ሂቡ።

ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ዝዀኑ፡ ብጾት ተኽለ መለኪንን መሓመድ ኣደም ኣርትዓን ድማ፡ ምስ ኣባላት ውድብን መንእሰያትን ኤምባሲታትን ተቓወምቲ ውድባትን እናተረኸቡ ውጽኢት 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጕባኤ የብርሁ ኣለዉ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top