ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኢኤንባሲ ኤርትራ ኣብ ሩስያ ኣብ ብሪጣንያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ።

GIC 15/1/2007 ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤንባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሩስያ ኣብ ብሪጣንያ ዕቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት መደበር ሓበሬታ ጋልፍ ካብ ከተማ ሎንደን ሓቢሮም ። እቲ ዲፕሎማት ኣብ ከተማ ሎንደን ምስ ገል ፍሉጣት ኤርትራውያን ከምዝተራኸበን ናይ ዑቕባ ኩነታቱ ድማ ብመንግስቲ ብሪጣንያ ተቐባልነት ረኪቡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ ። ከምዝፍለጥ ካብ 2001 ጀሚሩ ብዙሓት ላዕለዎት ሰብስልጣን ነቲ ስርዓት ገዲፎም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዑቑባ ይሓቱ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝሰዶም ዲፕሎማት ከቢድ ናይ እምነት ምጉዳል ኣጋጢምዎ ከምዘሎን ንኩሉ ልኡኽ ብዓይኒ ጥርጣረ ይጥምቶ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ ። መደበር ሓበሬታ ጋልፍ ዝርዝር ኩነታት ናይቲ ዲፕሎማትን ምኽንያት ዑቕባ መሕተቲኡን ኣብ ዝመጽእ ግዜ ከትቕርበልኩም ምኻና ክትሕብር ትፈቱ ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3474

Posted by on Jan 15 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net