News

ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኢኤንባሲ ኤርትራ ኣብ ሩስያ ኣብ ብሪጣንያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ።

GIC
15/1/2007
 ኣብ ኣሜሪካ እትሕተም ዋሽንግተን ፖስት ዝተባህለት ውርይቲ መጽሄት ኣብ ዘውጸኣቶ ጸብጻብ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ሶማልያ ዓቢ  ወተሃደራውን ዲፕሎማሲያውን ፍሽለት ከምዘጋጠሞን ናይቲ ኣብ ሶማልያ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግር  ተሓታቲ ምኻኑን ገሊጻ ። እቲ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ኮነታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ንዝተፈነወላ ታህዲድ መዕገቲ ክትገብር ክትብል ናብ ሶማልያ ከምዝኣተወት ብምግላጽ ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ኢዳ እንተዘይተእቱ  እዚ ህጂ ኣብ ሶማልያ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣይመጋጣመን ኔሩ ድሕሪ ምባል መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኩሉ ዓይነት ክሳራ ተሓታቲ ምኻኑ ኣስፊሩ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ሶማልያ ንዘጋጠሞ ፍሽለት ንምሽፋን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ናይ ጎንጺ ምፍጣር ልሙድ ተግባራቱ  ስርሐይ ኢሉ ተተሓሂዝዎ ከምዘሎ  ይግለጽ ኣሎ ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዝርከቡ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ መሬት ሱዳን ይጥቀሙ ኣለዉ ዝብል ወረ ምስ ተናፈሰ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ጥርዓን ናብ መንግስቲ ሱዳን ከም ዘቕረበሞ ፣ ካብ ክልቲኡ ሃገራት ኮሚቴ ብምግባር ነቲ ኩነታት መዕረፊ ከምዝገበሩሉ ራኢ ኣልዓም ዝተባህለት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሱዳን  ሓቢራ ። ነዚ  ናይ ምጥቛስ መሰረት ሰይብሉ  ወረ ዘናፈሰት ድማ ኤርትራ እያ ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኤርትራ ኣብ ሶማልያ ሒዛ ከተሳስዮ ዝጸንሐት ናይ እንክሒራ ተበግሶ ምስ ፈሸለ ነቲ ናይ ሕንፍሽፍሽ ምፍጣር ኩነት ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክትቅይሮ ካብ ዘለዋ ድለየትዩ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ናይዚ ዞባ ይገልጹ ኣለዉ ፣ እንተኾነ ግን እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈተነ ከንቱ ፈተነ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ዘሎ ጥቡቕ ዝምድና ኣብ ባይታ  ዝፈጠሮ ኩነት የለን ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top