ጸብጻብ መኽፈቲ 1ይ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

GIC
16/2/2007
ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምህናጽ ቃልስታትና ነበራትዕ “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ወከልቲ 13 ውድባትን ፣ወከልቲ ናይ ዜና ማዕከናትን ፣ ወከልቲ ማሕበር ምትእኽኻብ ሰንዓ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ  ትማሊ ዝጀመረ 1ይ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲታዊ ኪዳን ብውዕዉዕ ሃገራዊ  መንፈስ ይቕጽል ኣሎ ። ወኪል ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ እቲ  ጉባኤ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ንምእላይ ጻዕርታትና ነበራትዕ ፣ ንነባሪ ዞባዊ ሰላም ምስ ጎረባብትና ዝምድናታትና ነደልድል ዝብሉን ካልኦትን ንህሉው ኩነታት ሃገርና ዝገልጹ   ብትግርኛን ዓረብን እንግሊዘኛን  ዝተጻሕፉ ጭርሖታት ማዕሪጉን ኣብ ጽቡቕ መንፈስ ከምዝርከብን ገሊጹ ።

ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ስነስርዓት ኣቦ መንበር ኤ.ዲ.ኮ ብርሃነ የማነ ዕላማ ናይዚ ጉባኤ ክገልጽ ከሎ “ ዕላማ ናይዚ ጉባኤ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ውዱዕ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ብዝግባእ ብምግምጋም ንዕኡ ዝበቕዕ መፍትሒ ንምንዳይ እዩ “ ክብል ገሊጹ ። ተጋዳላይ  ብርሃነ የማነ ንህሉው ኩነታት ሃገር ክገልጽ ከሎ ሃገር  ብሓደ ስብ ትምራሕ ስለዘላ ንሃገርና ኩለንተናዊ ዕንወትን ፣ ዋህዚ መንእሰያት ናብ ስደትን ገለ ካብቲ ነሃገርና ዘሳቕዩ ዘለዉ ተሃወስቲ ኩነታትዮም  ድሕሪ ምባል ኩለን ኣብ ኤ.ዲ.ኪ ተጠርኒፈን ዘለዋ ውድባት ኩሉ ዓቕምታተን ብምውህሃድ ዲክታቶርነት መኸተምታ  ንምግባር ቃልስታትና ከነነጣትፍ ድሉዋት ኣሎና ክብል ናይ መእተዊ ቃሉ ዛዚሙ ። ከምኡውን ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤ.ዲ.ኪ ተጋዳላይ ሓሰን ከሊፋ ኣብ ዘስመዖ ቃል  እቲ ኪዳን ዘመዝገቦም ዓወታት ድሕሪ ምግላጽ ንመጻኢ ክህልዎ ዝኽእል ዓወታት መታን ክዕቀብ ብሓድነት ክቕጽል ተላብዩ ።

 ኣብ ተመሳሳሊ ህሞት ወኪል ማሕበር ሰንዓ ኣብ ዘስመዖ ቃል እንቓዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ህጂ እዋን ኣብ ሕማቕ ተነጽሎን ፍርሕን ተሸሚሙ ካብ ግዜ መግዛእቲ ዘሕልፎ ዝነበር ሕሰም ዝኸፈኣ ይሕልፍ ስለዘሎ እስኹም ኣብዚ ተኣኪብኩም ዘለኹም ውድባት ውዳብኹም ብምጽፋፍ ጸቢብ ውድባዊ ማሕለኻታት ብምስጋር ህጹጽ ፍታሕ ንህዝብኹም ክትገብሩ ኣለኩም ድሕሪ ምባል ማሕበር ምትእኽኻብ ሰንዓ ነዚ ዝተባህለ ዕላማ ዕዉት ንምግባት ኣብ ኩሉ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ስርሓት ኣብ ኮንኹም ኣሎ ክብል ናይ ደገፍ መልእኽቱ ኣስሚዑ ።

ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ንሽዱሽተ መዓልታት ዝቕጽል ኮይኑ ኣብዘን ዝቕጽላ መዓልታት ሰፋሕቲ ክትዓት ኣብ ቻርተርን ሕጊ ህንጻ እቲ ኪዳን ብምግባር ሓድሸ ናይ ስራሕ ትልምታት ብምውጻእ ሓድሽ መሪሕነት መሪጹ ክወጽእ ትጽቢት ይግበረሉ ።

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተርውን በዚ ኣጋጣሚ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንተጋባእቲ እቲ ጉባኤ ኸኣ ብፍላይ እንቛዕ ኣብዚ ኣብቀዓና ብምባል ዓወትን ኣሳልጦን ዘለዎ ጉባኤ ክኾነልና  ትምነ ።            

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3479

Posted by on Feb 16 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net