ወላዲት፡ ወላዲ

ስቕ ኣይትልመድ

ጽባሕ ንምልዓሉ ከይከብድ

ጓና ከይዛረበሉ ከይፈርድ

ስምዒ ውሉደይ ስማዕ ውሉድ፡

 ንብዓተይ ክጸርር

 መዓንጣይ ክሓርር

 ጓለይ ወድይ ክባረር፡ ……  ስቕ ክትብል፡

ኪዳነይ ክብተን

ናብራይ ክብተን

መሰለይ ክፍንፈን፡……  ስቕ ክትብል   

       ክርሕቅ ክፍንተት

       ዜግነተይ መሰልይ ክቕንጠጥ

       ክህረም ክቕለጥ፡…….   ስቕ ክትብል

ርሒቆም ንዝኸዱ

ሰበይ ከማዕዱ

ብዘይካ ዝሃርሙ ዝስጉዱ፡

       ኣይግህዶ ኣይሕልሚ

       መራዚ ሰማሚ

       ህ.ግ.ደ.ፋዊ ትልሚ፡

      ጸውዑለይ ኤርትራዊ ኪዳን

እቲ ፍትሒ ሰላም

በየን ኣቢሉ በየን፡

       ደንጺዩኒ

       ቀረባ ዝደሃዩ፡ ርሒቑኒ

       ርእዮም ሰሚዔዮም ክጠፊኡኒ፡ ….. ጋዶ

ቃንዛይ መዓስ ህ.ግ.ዲ.ፍ

ስቕያተይ መዓስ ህ.ግ.ዲ.ፍ

እቲ ናይ ኪዳን ዝጽበዮ ዝተርፍ፡……….    እምበር

      በሉ ርሖይ ርኣዩ

      ቃለይ ስምዑ ኣድህዩ

      ሃለዋተይ ፍለጡ ድለዩ፡

እቲ ትሰምዕዎ

እቲ ትርእይዎ

ምዘኑ ርኣይዎ፡

     እይትደንጉዩ ፈውስዎ

     ካብ ሬሳ ኮይኑ ትድግፍዎ

     ሂወት ዘለዎ ከትልዕልዎ፡

ሎሚ ‘ዩ ግዜኡ

ላህመቱ ፍሬኡ

ልግኤ ጻባኡ፡

    ንዓኹም ክህቦ

    ከሰንድ ከምዝግቦ

ንዓይ ክብሪ፡ ንዓኹም ዝኽሪ፡

ኣደኹም፡ ኣቦኹም ኤርትራዊ

17 ለካቲት 2007

ኣንቶንዮ ተስፋይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3581

Posted by on Feb 17 2007 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net