ኣግዳስነት ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ከምዘብቀዓ ተገሊጹ ።

GIC
22/1/2007
ኣገዳስነት ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳይት ከምዘብቀዓ ኣልሰሓፋ ዝተባህለት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሱዳን ኣብ ናይ ዕለት 20/01/2007 መበል 4885 ሕታማ ሓቢራ ። እታ ጋዜጣ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ባእታታት  ብምውካስ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ስርዓት ኣስመራ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝኽተሎ ጨፍላቒ ኣካይዳን  ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ፣ ምስ ኣህጉራዊ ማህበረሰብ ብፍላይ ድማ ምስ ኣሜሪካ ዘሳስዮ ዘሎ ገታር ዲፕሎማሲ ብፍላይ ድማ ማእሰርቲ ክልተ ሰራሕተኛታት ኤንባሲ ኣሜሪካን ቀጺሉ ድማ ስርዓት ኣስመራ ብምግሃስ ሃይማኖታዊ መሰል ኣብ ቀዳማይ ተርታ መዝገብ ገፋዕቲ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ምህላዉን ከምኡውን ካብ ዝተፈላለያ ዓለምለኻውያን ማሕበራት ሰብኣዊ መሰል ዝቐርበሉ ዘሎ ኩነኔ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ስርዓት ኣብ ፍጹም ጥፍሽናን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ተነጽሎ ከምዝርከብ ገሊጻ ።

ዶር ሓሰን ሓጅ ኣብ ዩኒቨርስቲ ካርቱም መምህር ናይ ፖለቲካን ተመራማሪ ፖለቲካ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን  ንጋዜጣ ኣልሰሓፋ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣገዳስነት ስርዓት ኢሰያስ ንምዕራባዊ ዓለም ብሓፍሻ ንኣሜሪካ ብፍላይ  ምስ ምክልኻል ግብረሽበራ ዝተሓሓዝ ኮይኑ,ዩ ጸኒሑ ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ክልተ ኣብያተ ጽሕፈታት ተቓራኒ ሪኢቶ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሰያስ ምጽንሑ ዝተፈልጠ ኮይኑ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ተቓውሞ እናኣስመዐ እንከሎ ብስም ምክልኻል ግብረሽበራ   ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ኩለመዳያዊ ሓገዛት ንስርዓት ኢሰያስ ክገብር ጸኒሑ ። እንተኾነ ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ ኣሜሪካ ንተራ ኣብርክቶን ስርዓት ኣስመራ ክትክእ ዝኽእል ኣማራጺ ስለዝተረኽበ ኣንፈቱ ናብ ኢትዮጵያን ዩጋንዳን ኣቢሉ ይሰርሕ ምህላዉ ኣገዳስነት ስርዓት ኣስመራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝገልጽ ተረኽቦዩ ክብል ገሊጹ ።

 ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ ገዲም ሓላፊ ጸጥታ ሱዳን ነበር ብርጌድር ጀነራል ሓሰን በዩሚ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ሜዳ ኣትሒዙ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ተቐባልነት ዘይጸንሖ እኳ እንተኾነ ብሰንኪ ንዕኡ ክትክእ ዝኽእል ኣማራጺ ዘይምርካቡ ምስናይ ኩሉ ጸገማቱ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ተሓቒፉ ክኸይድ ጸኒሑ ። እንተኾነ ገን ኣብዚ ሕጂ እዋን ስርዓት ኣስመራ ዝነብሮ ኣገዳስነት ተባሕጚጉ ኣማራጺታቱ እናጸበበ ከይዱ ። ስለዝኾነ ድማዩ ስርዓት ኣስመራ ዝምድንኡ ምስ ሱዳን ከመሓይሽ ገደል ዝብል ዘሎ ክብል ንኣገዳስነት ስርዓት ኣስመራ ኣብሪሁ ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3483

Posted by on Jan 22 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net