News

ስርዓት ህግደፍ ናይ ምጭዋይ ተግባራቱ ይቕጽል ።

GIC
22/1/2007
ብዕለት 14/01/2007  ምሉብርሃን ጎይትኦምን ደጀን ጎይትኦም ዝተባህሉ  ክልተ ኣሕዋት ኤርትራውያን ካብ ዶባዊት ከተማ ከሰላ ዓሽዋኢ ዝተባህለ ከባቢ ሰዓት ሸውዓት ናይ ምሸት ብሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ስርዓት ተጨውዮም ከምዝጠፍኡ ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ ገሊጹ ።

 ብመሰርት እቲ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ እዞም ክልተ ኣሕዋት ምኽንያት መጭውዪኦም ኣብ ምስጋር መንእሰያት ካብ ዶብ ከይከውን ዝብል ጥርጣረታት ከምዘሎን እቶም መንእሰያት ቀጻሊ ናብ ተሰነይ ከምዝመላለሱን ኣብ ተሰነይ ዞባ መስከረም ስድራቤቶም ከምዝርከቡን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ ።

ኣብ ተመሳስሊ ዜና ኣብ ከተማ ጎሊጅ ብዕለት 07/01/2007 ሓደ ማሕሙድ ዝተባህለ ዜጋ ምስ ተቓወምቲ ርክብ ኣሎካ ብዝብል ጠቐነ ብስሕለት ቀቲሎም ኣብ ቅድሚ ኣዲኡ ኣደይ ሮብላ ኣብ ኣጉዶኡ ኣቃጺሎም ከምዝገደፍዎ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ሓብሬታ ገሊጹ ። ብድሕሪቲ ቅትለት ስድራቤት መዋቲ መርመራ ክግበር እዃ እንተጠለቡ ብሰንኪ ምትእትታው ናይ ጸጥታ ሓይልታት ክግበር ኣይተኻእለን ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top