ስርዓት ህግደፍ ናይ ምጭዋይ ተግባራቱ ይቕጽል ።

GIC
22/1/2007
ብዕለት 14/01/2007  ምሉብርሃን ጎይትኦምን ደጀን ጎይትኦም ዝተባህሉ  ክልተ ኣሕዋት ኤርትራውያን ካብ ዶባዊት ከተማ ከሰላ ዓሽዋኢ ዝተባህለ ከባቢ ሰዓት ሸውዓት ናይ ምሸት ብሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ስርዓት ተጨውዮም ከምዝጠፍኡ ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ ገሊጹ ።

 ብመሰርት እቲ ዝረኸብናዮ ሓብሬታ እዞም ክልተ ኣሕዋት ምኽንያት መጭውዪኦም ኣብ ምስጋር መንእሰያት ካብ ዶብ ከይከውን ዝብል ጥርጣረታት ከምዘሎን እቶም መንእሰያት ቀጻሊ ናብ ተሰነይ ከምዝመላለሱን ኣብ ተሰነይ ዞባ መስከረም ስድራቤቶም ከምዝርከቡን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ ።

ኣብ ተመሳስሊ ዜና ኣብ ከተማ ጎሊጅ ብዕለት 07/01/2007 ሓደ ማሕሙድ ዝተባህለ ዜጋ ምስ ተቓወምቲ ርክብ ኣሎካ ብዝብል ጠቐነ ብስሕለት ቀቲሎም ኣብ ቅድሚ ኣዲኡ ኣደይ ሮብላ ኣብ ኣጉዶኡ ኣቃጺሎም ከምዝገደፍዎ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ሓብሬታ ገሊጹ ። ብድሕሪቲ ቅትለት ስድራቤት መዋቲ መርመራ ክግበር እዃ እንተጠለቡ ብሰንኪ ምትእትታው ናይ ጸጥታ ሓይልታት ክግበር ኣይተኻእለን ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3485

Posted by on Jan 22 2007 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net