Poetry

ቅያ ግበሩ

ንሓዋሩ ክትዝከሩ

ማእከሎት መኳንንቲ

ናይ ጽባሕ መራሕቲ

ፍሉይ ቦታ አለኩም

አብ ሂወት ሃገርኩም

ዓይንኹም ቃሕ አብሉ ተመራመሩ

አብ መንጎ ክልተ ዓለም ዝነብሩ

ጨቖንቲ ጀነራላት ዝምድሩሉ

ውጹዓት ይከአሎ/ዋርሳይ ዝደኑሉ

ራሰይቲ መጠፋፍእቲ ዝጀሃሩሉ

የዋሃት ሓቀኛታት ዝሓፍሩሉ

ክልተ ዓለም እወ! ብሓቂ

ባህሊ አልቦነት ጸይቂ

ገበርዎ’ባ ንህዝቢ ጠይቂ

ምስትንክር ኤርትርዊ- ዓለም

ንገለ ጸልማት- ጀሃንም

ንገለ ብርሃን-ለምለም

ዓገብ! አደራዕ ሕሰም

እስከ በሉ ማእከሎት መኳንንቲ

አብ ቀራና መንገዲ አጽለልቲ

ክልተ ምርጫ አብ ቅድመኩም

ተገቲሩ ኣንሄልኩም

ሕቶ ፍላስፋታት ሕተቱ

ሕጂ ኸ ናባይ በሉ

ጎደና ጨቖንቲ ዶ ትኽተሉ

ክትጽየፉ ክትብለሉ

ወይስ ምስቲ ውጹዕ ተትክሉ

ንዘልኣለም ክትዝከሩ

ሕድሪ አለኩም

ናይ ስዉኣት ኤሕዋትኩም

ናይ ዝወደቑ ጀጋኑ ብጾትኩም

ተጠቐሙሉ ድኣ ሞያ ህዋሳትኩም

ዓይኒ አለኩም

ባህርያዊ ዕድሎትኩም

ወጽዓ ህዝብኩም

አጉሊሁ ዘርእየኩም

አይረኤና ከይትብሉ

ምስክር ዓይኒ መሰታ ነይብሉ

መንእሰያት ክቕረኑ

ብዘይንሕስያ ክድከሩ

ክነፍጹ ክበሩ

ክዘሉ አብ ባሕሪ-ማልታ ክጥሕሉ

ክበሩ ብህቦብላ-ሳሃራ ክቕበሩ

አንታ ይአክል በሉ

እጅገኹም ሰብስቡ

እምበኣር፡ አንቱም ማእከሎት መኳንንቲ

ሰብ ብረት መረሽቲ

ናይ ጸጥታ ሰለይቲ

ምሊሻ ሓለውቲ

ነፋሪት አብረርቲ

ከቢድ ብረት ተኮስቲ

ቲቪ-ኤረ ዘነይቲ

መሻይክ አቕሽሽቲ

በልዎታ’በልዎ! በኽቢኩ’ዩ መንግስቲ

1/20/07

ወልደስላሴ ተስፋይ ዕመር

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top