ቅያ ግበሩ

ንሓዋሩ ክትዝከሩ

ማእከሎት መኳንንቲ

ናይ ጽባሕ መራሕቲ

ፍሉይ ቦታ አለኩም

አብ ሂወት ሃገርኩም

ዓይንኹም ቃሕ አብሉ ተመራመሩ

አብ መንጎ ክልተ ዓለም ዝነብሩ

ጨቖንቲ ጀነራላት ዝምድሩሉ

ውጹዓት ይከአሎ/ዋርሳይ ዝደኑሉ

ራሰይቲ መጠፋፍእቲ ዝጀሃሩሉ

የዋሃት ሓቀኛታት ዝሓፍሩሉ

ክልተ ዓለም እወ! ብሓቂ

ባህሊ አልቦነት ጸይቂ

ገበርዎ’ባ ንህዝቢ ጠይቂ

ምስትንክር ኤርትርዊ- ዓለም

ንገለ ጸልማት- ጀሃንም

ንገለ ብርሃን-ለምለም

ዓገብ! አደራዕ ሕሰም

እስከ በሉ ማእከሎት መኳንንቲ

አብ ቀራና መንገዲ አጽለልቲ

ክልተ ምርጫ አብ ቅድመኩም

ተገቲሩ ኣንሄልኩም

ሕቶ ፍላስፋታት ሕተቱ

ሕጂ ኸ ናባይ በሉ

ጎደና ጨቖንቲ ዶ ትኽተሉ

ክትጽየፉ ክትብለሉ

ወይስ ምስቲ ውጹዕ ተትክሉ

ንዘልኣለም ክትዝከሩ

ሕድሪ አለኩም

ናይ ስዉኣት ኤሕዋትኩም

ናይ ዝወደቑ ጀጋኑ ብጾትኩም

ተጠቐሙሉ ድኣ ሞያ ህዋሳትኩም

ዓይኒ አለኩም

ባህርያዊ ዕድሎትኩም

ወጽዓ ህዝብኩም

አጉሊሁ ዘርእየኩም

አይረኤና ከይትብሉ

ምስክር ዓይኒ መሰታ ነይብሉ

መንእሰያት ክቕረኑ

ብዘይንሕስያ ክድከሩ

ክነፍጹ ክበሩ

ክዘሉ አብ ባሕሪ-ማልታ ክጥሕሉ

ክበሩ ብህቦብላ-ሳሃራ ክቕበሩ

አንታ ይአክል በሉ

እጅገኹም ሰብስቡ

እምበኣር፡ አንቱም ማእከሎት መኳንንቲ

ሰብ ብረት መረሽቲ

ናይ ጸጥታ ሰለይቲ

ምሊሻ ሓለውቲ

ነፋሪት አብረርቲ

ከቢድ ብረት ተኮስቲ

ቲቪ-ኤረ ዘነይቲ

መሻይክ አቕሽሽቲ

በልዎታ’በልዎ! በኽቢኩ’ዩ መንግስቲ

1/20/07

ወልደስላሴ ተስፋይ ዕመር

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3593

Posted by on Jan 22 2007 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net