News

ሓለፍቲ ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢ ዶባት ፍሉይ ሓለዋ ክገብሩ ይእዝዙ ።

GIC
26/1/2007
ብዕለት 15/01/2007 ብምክትል ሓላፊ ዞባ ስርሒት ሓደ ብርጌድር ጀነራል ዓብዱ ረመጭን ብሓላፊ ስለያ ዞባ ጋሽ ባርካ ኮለኔል ዮናስን ዝምራሕ ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ናይ ሓላፍቲ ኣኼባ ኣብ ኣደርሰር ከምዝተገብረ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ ።

 ብመሰረት እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ እቲ ኣኼባ ኣብ ጸጥታዊ ኩነታት ዘተኮረ ኮይኑ ፣ ብፍላይ ድማ ብሰንኪ እዚ ምስ ሱዳን ተበጺሑ ዘሎ ዝምድና ናብቲ ዝድለ ደረጃ ስለዘይበጸሓ ብጥንቃቐ ምክትታል ክግበረሉ ከምዘለዎ እቶም ሓለፍቲ ንኣኼበኛታት ሓቢሮም ። እቶም ሓለፍቲ  ነቲ ኩነታት ክገልጹ እንከለዉ ምስ ሱዳን ዘሎና ዝምድና ከም ኣብ ጠረጴዛ ኬንካ  ብእግርኻ ምሽንዳሕ ስለዝኾነ ዝምድና ተጌሩ ተባሂሉ ክንዛነ የብልናን ክብሉ ነቶም ኣኼባኛታት ገሊጾምሎም ። ከምኡውን ነዚ ስጋብ ሕጂ መዕገቲ ክረኽቡሉ ዘይከኣሉ ዋሕዚ ስደተኛታት ከም መዕገቲ ዝመሰሎም ሓድሽ ውሳኔ ኣብ ዶብ ክሰግር ዝተረኽብ ብዘይዝኾነ ሕቶን መልስን ናይ ምቕታል ስጉምቲ ክወስዱ ሓላፍነት ሂቦሞም ከምዘለዉ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ብዕለት 18/01/2007  ኣብ ስግረ ዶብ ተታሒዝኩም ተባሂሎም ኣብ ተሰነይ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሰበዓ ( 70) መንእሰያት ናብ  ማእከላይ ቤት ማእሰርቲ ኣደርሰር እናተሰጋገሩ እንከለዉ ኣብ ዒላ ዓብደላ  ዝተባህለ ቦታ ምስ በጽሑ እቶም እሱራት ካብቶም ሓለውቶም ብረት ብምምንጣል ተታኺሶም ሱሳን ሰለስተን (63) ካባቶም ከምልጡ ከምዝኸኣሉ ካብቲ ቦታ ዝበጸሓና ሓበሬታ ገሊጹ ።

ስጋብ ሕጂ እቶም 63 ኣበይ ከምዘለዉ ዝፈለጥናዮ ሓብሬታ እኳ እንተዘየለ ገሊኦም ናብ ሱዳን ሰጊሮም ገሊኦም ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ፋሕ ኢሎም ዝብል ግምታት ኣሎ ። ንሕና ብወገና ነቲ ኩነታት ተኸታቲልና ኣብቲ ተኹሲ ዘጋጠመ ኩነትን ሃለዋቶምን ተኸታቲልና ንተኸታተልትና ክንሕብር ምዃና ክንገልጽ ንፈቱ ። 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top