መግለጺ ሓዘን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ነቲ ኣብ ልዕሊ 325 ንጹሃት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ገማግም ሊብያ ዝወረደ ኣዝዩ ዘሕዝን ሓደጋን ጅምላዊ መቕዘፍትን ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን እናገልጸ፡ ነቶም ሓደጋ ዝበጽሖም ዜጋታትና መንግስተ ሰማይ ክወርሱ እናተመነየ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንቤተ-ሰብ እቶም ግዳይ ዝኾኑ ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም ይብል። 

እቶም ክብሪ ሃገርን ሃገራውነትን ዝሰኣኑ መንእስያት ኤርትራ፡ ግዳይ መወዳእታ ዘይብሉ ጉዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ኮይኖም፡ ተስፋ ሲኢኖም፡ ካብቲ ማእለያ ዘይብሉ ባርነት፡ ኣስካሕካሒ ግፍዕታትን ሓሳረ መኸራን ስርዓት ህግደፍ ሂወቶም ንምድሓን ንዝፈትውዋ ሃገሮምን ስድራ-ቤቶምን ፈተወቶምን ራሕሪሖም ሃጽ ኢሎም ዳግማይ ብብዝሒ ክስደዱ ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ እዋን ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብስንኪ እዚ ካብ ድሌቶም ወጻኢ ዝኾነ ስደት’ዚ ከኣ፡ ኤርትራውያን ኣደዳ ስቅያትን ሞትን ካብ ዝኾኑ ሓያሎ ዓመታት ተቁጺሩ’ዩ። ስምዒ ዝሰኣነ ኣውያት ኤርትራውያን ኣብ ፍቐዶ በርኻታት ምድረ በዳን ባሕርን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ክወርድ ዝጸንሔን ዘሎን ሓደጋታትን፡ ጃምላዊ ህልቒትን መወዳድርቲ የብሉን።

እቲ ኤርትራ ዝዓበየ ሃብታ፡ ዓቕሚ ሰባን መንእሰያታን’ዮም ብምባል ብዙሕ ዝጭድሩ ጸረ ህዝቢ ስርዓት ህግደፍንን ደቂ መዛሙርቱን ግን፡ ነቲ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብናህሪ ንክቅጽል ዝገብር ዘሎ ምኽንያታት እንታይ ኾን ይኸውን? ብምባል ንሓደ መዓልቲ ነብሶም ክምርምሩ ድልዋት ኮይኖም ኣይፈልጡን፡፡ ብኣንጻሩ መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ መጻኢ ወለዶ መንእሰያት ከባጭውን ብክድዓት እናኸሰሱን፡ ካብቲ ጨካን ግፍዕታቶም ፍጹም ኣይተቆጠቡን። ስለ ዝኾነ ከኣ ኤርትራ ብሓድሽ ወለዶ ዘይትኾርዕ ሃገር ክትኸውን ብምብቕዕም ጥራይ ዘይኮነስ፡ መጻኢ ዕድላ ንከቢድ ሓደጋ ክትወድቕ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ኣለዉ።

እንሆ ከኣ ነዚ ኣዝዩ ዘሰንብድ ጅምላዊ ህልቂት ኣብ ልዕሊ 325 ኤርትራውያን አክንዲ ብሃገራዊ ምርድዳእ ምሕዛን፡ ነቲ ናይ መንእስያት ባህግን ጠልብን ንምምላእ ፍታሕ ምንዳይ፡ ህግደፍ ነዚ ዘጋጠመ ሓደጋን ጅምላዊ መቕዘፍትን’ዚ ከም መፍራርሒ ይጥቐምሉ ምህላዉ ብጣዕሚ ዘሕፍር’ዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ቃንዛ ህዝቡ ዘይሰምዕን፡ ልዕሊ ኩሉ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ዘገድሶ፡ ሓልዮት ስልጣኑ እንተዘይኮይኑ፡ ብግብሪ ሓልዮት ኤርትውያንን ኤርትራን ከምዘይብሉ ብተደጋጋሚ  አረጋጊጹ እዩ፡፡ 

ኩነታት ኤርትራን፡ አብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ መንእስያትን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን፡ እንዳገደደ  ይኸይድ ከምዘሎን፡ እቲ ኣብ ዝሓለፋ 12 አዋርሕ ኣብ ፍቐዶ በርኻታት ምድረ በዳን ባሕርን፡ ዝጠፍአ ሂወት ኤርትራውያን ካብቲ ብድምር ህዝቢ ቱኒዝያን ግብጺን ዲክታቶርያዊ ስርዓታት ንምልጋስ ዝኸፈልዎ ሂወት ንላዕሊ ምዃኑ ብምስትውዓል፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ስደት መፍትሒ ኩሉ መዳያዊ ሽግርና ዘይምዃኑ ብምእማን፡ ህዝብን መንእሰያትን ኤርትራ ንኩሉ እቲ ምንጪ ውሽጣዊ ሽግርን ስደትን፡ ህልቂት ኮይኑ ዘሎ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ኢድ ንኢድ ብምትሕሓዝ ንምውጋዱ ካብ ምቅላስ ወጻኢ ካልእ ቅኑዕ ምርጫ ዘይምህላዉን ካብ ዝኾነ እዋን ንልዕሊ እዋኑ ምዃኑን ከስተውዕሉ ይግባእ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ነቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቆም ዘለዉ ዜጋታትና ንምድሓን ብግዱሳት ኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ኩሉ እንተናዊ ጻዕርታት ብምንኣድ፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ድማ ግዴትኡ ክዋጽእ ይምሕጸን። ከምኡ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ከም ኣካል ማ/ሰብ ዓለም መጠን ብሰላም ክነብር ንዘካይዶ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣበርክትኡ ክገብርን ክድግፍን መጸዋዕትኡ የቕርብ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ደጊሙ ንህዝቢ ኤርትራን፡ ንቤተ-ሰብ እቶም ግዳይን ጽንዓት ክህቦም ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!! 

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ 

12 ሚያዝያ 2011

www.encdc.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4168

Posted by on Apr 15 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net