13 አባላት ሓይሊ ባሕሪ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ናብ የመን አትዮም

ክፍሊ ዜና

ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

16ጁላይ 2011ዓ.ም

13አባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ስርዓት ምሕደራ ህግደፍ ሓሲምዎም ሃገሮም ለቒቖም ብዕለት 14 ሓምሌ 2011ዓ.ም ናብ የመን አትዮም፡ እቶም ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዝኾኑ አባላት ሓይሊ ባሕሪ ካብ ቦሪን ከባቢአን ኮይኖም ብዝወረዶም ግፍዕን ማእሰርትን ጭቖናን ሑሱም ናብራን ተደፋፊኦም ንስደት ውሕስነት ዘይብሉ መንገዲ ዝመረጹ፡ እዞም 13 ኣባላት አብ ቤት-ማእሰርቲ ንሰለስተ ማዓልታት ተአሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ብዋሕስ ሰድራቤታቶም ክልቀቁ ድሕሪ ምግባር ብቅጽበት ጃልባ ሓይሊ ባሕሪ አልዒሎም ናብ የመን አምሪሖም፡፡ በዚ አጋጣሚ›ዚ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ: ስርዓት ኤርትራ ነዞም መንእሰያት ብዝተፈላለየ መንገዲ ክመልሶም ይጽዕር ሰለ ዘሎ ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባት ንድሕነቶም አድላይ ዘበለ ሰጉምትታት ክወስድ የዘኻኽር፡፡ እቲ ቐንዲ ሻቑለት ናይዞም መንእሰያት ኮይኑ ዘሎ ነቶም ብድሕሪኦም ዝገደፍዎም ሰድራቤታቶም ስለዝኾነ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንድሕነት ሰድራቤቶምን ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ክከታተል ጸዊዖም፡፡ ቤት-ጽሕፈት ዜና ዲሞክራስያዊ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝርዝር አስማቶም ረኺቡ እዞም ዝስዕቡ ምኻኖም ይገልጽ፡-

1- ሙሓመድ ሓቢብ ዓንበሲ

2- ዑመር ኢብራሂም ዑመር ሺሔም

3- ሙሓመድ አሕመድ ዓሊ ሺሔም

4- ሙሳ መሓመድ ዑስማን ቢላል

5- አሕመድ መሓመድ አደም

6- ዑስማን አሕመድ መሓመድ ሳሩኽ

7- ኑር አሕመዲን ዓሊ

8- ኢብራሂም ገዓስ አደም

9- ኢድሪስ አሕመድ ዑስማን

10- ኑር ዑስማን ፈረሕ

11- አሕመድ ዓበደላ ሱሌማን

12- ዓብደላ አሕመድ ሳልሕ

13-       ዓብዱ ያሲን አሕመድ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5376

Posted by on Jul 19 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net