News

13 አባላት ሓይሊ ባሕሪ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ናብ የመን አትዮም

ክፍሊ ዜና

ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

16ጁላይ 2011ዓ.ም

13አባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ስርዓት ምሕደራ ህግደፍ ሓሲምዎም ሃገሮም ለቒቖም ብዕለት 14 ሓምሌ 2011ዓ.ም ናብ የመን አትዮም፡ እቶም ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር ዝኾኑ አባላት ሓይሊ ባሕሪ ካብ ቦሪን ከባቢአን ኮይኖም ብዝወረዶም ግፍዕን ማእሰርትን ጭቖናን ሑሱም ናብራን ተደፋፊኦም ንስደት ውሕስነት ዘይብሉ መንገዲ ዝመረጹ፡ እዞም 13 ኣባላት አብ ቤት-ማእሰርቲ ንሰለስተ ማዓልታት ተአሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ብዋሕስ ሰድራቤታቶም ክልቀቁ ድሕሪ ምግባር ብቅጽበት ጃልባ ሓይሊ ባሕሪ አልዒሎም ናብ የመን አምሪሖም፡፡ በዚ አጋጣሚ›ዚ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ: ስርዓት ኤርትራ ነዞም መንእሰያት ብዝተፈላለየ መንገዲ ክመልሶም ይጽዕር ሰለ ዘሎ ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባት ንድሕነቶም አድላይ ዘበለ ሰጉምትታት ክወስድ የዘኻኽር፡፡ እቲ ቐንዲ ሻቑለት ናይዞም መንእሰያት ኮይኑ ዘሎ ነቶም ብድሕሪኦም ዝገደፍዎም ሰድራቤታቶም ስለዝኾነ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንድሕነት ሰድራቤቶምን ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ክከታተል ጸዊዖም፡፡ ቤት-ጽሕፈት ዜና ዲሞክራስያዊ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝርዝር አስማቶም ረኺቡ እዞም ዝስዕቡ ምኻኖም ይገልጽ፡-

1- ሙሓመድ ሓቢብ ዓንበሲ

2- ዑመር ኢብራሂም ዑመር ሺሔም

3- ሙሓመድ አሕመድ ዓሊ ሺሔም

4- ሙሳ መሓመድ ዑስማን ቢላል

5- አሕመድ መሓመድ አደም

6- ዑስማን አሕመድ መሓመድ ሳሩኽ

7- ኑር አሕመዲን ዓሊ

8- ኢብራሂም ገዓስ አደም

9- ኢድሪስ አሕመድ ዑስማን

10- ኑር ዑስማን ፈረሕ

11- አሕመድ ዓበደላ ሱሌማን

12- ዓብደላ አሕመድ ሳልሕ

13-       ዓብዱ ያሲን አሕመድ

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top