ንድፊ ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ አብ መርበብ ሓበሬታ ኮምሽን ምዝርግሑ ንሕብር

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንሰነዳት ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ አብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኮምሽን ይዝርግሖም ምህላው ንመላእ ህዝብን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን ከበስር ይፈቱ። ድሮ አብ  www.encdc.com ዝተዘርግሑ ፖለቲካዊ  ሰነዳት እዞም ዝስዕቡ’ዮም፡

ተ.ቁ ስም ፖሎቲካዊ ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስዊ ለውጢ ትግርኛ ዓረብ እንግሊዘኛ
1 ንድፊ መሪሕ ሓሳብ (Road Map)
2 ጽማቕ ኣፈጻጽማ ሰነድ መሪሕ ሓሳብ  (Road Map)  
3 ንድፊ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ቻርተር  
4 ጽማቕ ኣፈጻጽማ ሰነድ ፖሎቲካዊ ቻርተር  

 

እቲ ጽማቕ ኣፈጻጽማ ንቀንዲ መንፈስን ሕመረትን ናይቶም ሰነዳት ዘቐመጦም ትሕዝቶ ንባብ ንምቅልጣፍን ንምህብታምን ነቲ  መስርሕ ክትዕ ክሕግዙ ተባሂሎም ዝተዳለዉ ምዃኖም ኮምሽን ከረጋግጽ ይፈቱ፡፡ ኮምሽን ብተወሳኺ ከረጋግጾ ዝደሊ ምስ ዝህሉ እቶም ንድፊ ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስዊ ለውጢ ኣብ መንጎ ህዝቢ ሓሳብ ንሓሳብ ብድሕሪ ምልውዋጥ፡ መማረጺ ሓሳባትን ለበዋታትን ንምእካብ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓትን ተወኪሉ ዝምጽእ ህዝቢን ዲሞክራሲያዊ  ሓይልታት ዝወከሉ ተሳተፍቲ ንምጽዳቕ’ዩ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሳዊ ለውጢ ህዝብና ነቲ ፖሎቲካዊ ሰነዳት ንምህብታም ዘርእዮ ዘሎ ዓቢ ተገዳስነትን ተሳታፍነትን፡ እቲ ዝመጽእ ሃገራዊ ጉባኤ ሕብሪ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ዓይነታዊ ለውጢ ንምምዝጋብ፡ ዘካይዶ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ቃልስን ምትሕብባርን የሞጉስ፡፡ መላእ ሓይልታት ደሞክራሲያዊ ለውጢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምድሓን ዘለዎ ህጹጽነት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ መንጉኡ ሕድገታትን ተዓጻጽፍነት ብምርኣይ፡ ኩሉ ዓቕምታቱ ጠሚሩ ንውድቀት ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ንምቅልጣፍን ንምዕዋት ትልሚ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጥን ከውዕሎ ጥራይ ይጽውዕ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኮምሽን እቶም ዝተረፉ ፖሎቲካዊ ሰነዳትን ጽማቕን ኣብዚ ቀረባ እዋን ንህዝቢ ክዝርግሖም ምዃኑ እናኣፍለጠ  ኩሎም ግዱሳት ዜጋታት ነቶም ፖሎቲካዊ ሰነዳት ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኮምሽን www.encdc.com  ክረኽብዎም ከም ዝኽእሉ ይሕብር። ኣብቲ ሰነዳት ዝቐርቡ ሃነጽቲ መማረጺ ሓሳባትን ርእይቶታትን ለበዋታትን ከኣ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኢ-መይል (politicalcomm10@gmail.com) ክቕበል ድልዉ ምህላዉ ኮምሽን የረጋግጽ።

 

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

 ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

19 ሓምለ 2011

www.encdc.com

.

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5409

Posted by on Jul 21 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net