ኩሎም ሰብ ሞያ ኤርትራውያን ኣብ ምንዳፍ ኣርማ ሃገራዊ ጉባኤ ክሳተፍ ይዕደሙ

እቲ ቅድሚ ምዝዛም 2011 ክጋባእ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ተሳትፎ መላእ ህዝብና ይኹን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘረጋግጽ፡ ከምኡ’ውን ብዘይዝኾነ ፍልልይ ንኩሉ ብዙሕነት ሕ/ሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ፡ ኤርትራውያን ብስልጡን ኣገባብ ሕድሕድ ዘተን ልዝባትን ዘካይድሉ፡ ዕውት መጋብኣያ ኮይኑ ክወጽእ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ብዋዕላ ብዝተነበረሉ ረዚን እምነት መሰረት ብሓልዮትን ሓገዝን ህዝብና ብርቱዕ ጻዕርታት ክገብር ጸኒሑን ኣሎን።

እቲ ዕማም ሓባራዊን ሃገራዊን ዋኒን ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ስብ ሞያ ኣርማ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ምድላው ክሳተፍ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብክብሪ ጻውዒቱ የቕርብ። እቲ ዝዳሎ ኣርማ ንዕላማታት ሃገራዊ ጉባኤን ሽቶኡን ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ብዝተካእለ መጠን ብሰለስተ ቋንቋታት ማለት ትግርኛን ዓረብኛን እንግሊዘኛን ክቐርብ ብትሕትና እናሓተትና ነዚ ዝስዕብ ረቋሒታት ዘማልእ ክኸውን ይግባእ።

  • ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘቓላጥፍ ወሳኒ መድረኽ ምዃኑ ዘንጸባርቕ፡-
  • ንምድልዳል ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን ብዙሕነት ሕ/ሰብናን ዘንጸባርቕ፡-
  • ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተደላይነት ምምዕባል ሕድሕድ ሃናጺ ዘተን ልዝብን ዘንጸባርቕ፡-
  • ኣብ ኤርትራ ሰላምን ርግኣትን ምርግጋጽ ዘለዎ ተደላይነት ዘንጸባርቕ፡-
  • ኣብ ኤርትራ ልዕልነት ሕግን ፍትሕን ምህናጽ ዘለዎ ተደላይነት ዘንጸባርቕ፡-

 

እቲ ንድፊ ኣርማታት መወዳእታ ዝቐርበሉ ዕለት ን31/07/2011 ምዃኑ ተሓቢሩ ምንባሩ ብድሕሪ ምዝክኻር በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ን15/08/2011 ምንዉሑ እናሓበርና፡ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኢ-መይል ነቲ ንድፊ ኣርማ ሃገራዊ ጉባኤ ENCDC2011@gmail.com ክትሰዱልና ብትሕትና ንምሕጸን። ተዓዋቲ ከኣ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኑ ከም ዝዕደም ነረጋግጽ።

መተሓሳሰቢ

እቲ ብሰብ ሞያ ተዳልዩ ንኮምሽን ዝስደድ ንድፊ ኣርማታት ሕጋዊ ንብረት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይኸውን። ኮምሽን ኣድላይ ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ ነቶም ረቋሒታት ወይ’ውን ኣገባብ ምድላው ኣርማ ሃገራዊ ጉባኤ  ናይ ምምሕያሽን ምቅያርን ምሉእ መሰል ከም ዘለዎ ንሕብር፡

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

 

 ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

19 ሓምለ 2011

www.encdc.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5413

Posted by on Jul 21 2011 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net