ኣብ ከተማ ሱ-ፎልስ ደቡብ ዳኮታ ህዝባዊ ሽማግለ ቆይማ።

ከተማ ሲፎልስ ደቡብ ዳኮታ ካብ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ብምምሕዳር ናይ ሓደ ኣባል ህዝባዊ ሽማግለ ኣብ ሚንያፕለስ ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ። ትማሊ ቀዳም 23 ሓምለ 2011 ግን ከተማ ሲ-ፎልስ ኣብ ኣሜሪካ ናይ መጨረሽታ መዓስከር ህግደፍ ዝፈረሰላ ከተማ ኮይና’ላ፣ እዚ ኣብ ማእከላይ ቤትንባብ ናይ’ታ ከተማ ዝተኻየደ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ብጉዳይ እገዳ ልቡ ተሰሊቡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ዓቢ ተወሳኺ ሻቕሎት ዘሕደረ እዩ ነይሩ፣ እቲ ኣኼባ’ዚ፡ ብኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ሰሜን አሜሪካ ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይን፡ ብኣቦ መንበር ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ከተማ ሚነሶታ ኣቶ ብርሃነ ተስፈን ዝተመርሐ እዩ፣ 

አብዚ ህዝባዊ አኼባ’’ዚ ቀንዲ ካብ ዝተላዕሉ ነጥብታት፡

  • ታሪኻዊ አመጻጽአ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
  • ሕጂ ዝካይድ ዘሎ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤን አወዳድቡኡን። ኣብ’ዚ መስርሕ ዘሎ ተሳትፎ ህዝብን ከምኡውን
  • ምቛም አባላት ሽማግለ ህዝብን ዘትዩ

አብዞም አብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለው ነጥብታት ንልዕሊ ክልተ ሰዓት መብርሂ ምስ ተዋህበ አኼበኛታት ናይ ሕቶን ርእይቶን መድረኽ ተኸፊቱ ካብቶም ዝቀረቡ ሕቶታት ንምጥቃስ ዝአክል ከኣ፡

  1. እዚ ቆይሙ ዘሉ ኮምሽን አብ ተቓወምቲ ውድባትን አብ ሲቪክ ማሕበራትን ተቀባልነቱ ከመይ እዩ
  2. መንግስቲ ህግደፍ ክውድቅ ዝኽእል እንታይ ዓይነት አገባብ ቃልሲ ምስ እንኽተል እዩ (ብዘይጎነጻዊ ወይስ ብጎነጻዊ)
  3. አብዚ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ዘይተሳተፈ ውድብ አሎ’ዶ እንተሃልዩኸ ንምንታይ
  4. ነዚ ዝመጽእ ጥቅምቲ  ዝግበር ጉባኤ ንክዕወት ውድባት ክጻወተኦ ዘለወን ተራ እንታይ ‘ዩ?
  5. አብ መንጎ ኪዳንን ሃገራዊ ኮሚሽንን ዘሉ ፍልልያትን ዝምድናን እንታይ ይመስል ዝብሉ ነበሩ?

አብዚ አኼባ’ዚ ንኩኹሎምም ሕቶታት ዝምልስ ሰፊሕ መብሪ ተዋሂቡ። አብ መወዳእታ ከኣ ሐንቲ ጓል-አንስተይቲ እትርከቦ ትሽዓተ ዝአባላታ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ብምቛም አኼባኡ ዛዚሙ።

ህዝባዊ ሽማግለ ከተማ ሱ-ፎልስ

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5453

Posted by on Jul 26 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net