ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ወሳኒ’ዩ!!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ደቂ ኣንስትዮ ከም ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘርኣይኦ ጅግንነታዊ ቅያታት ክዕቐብ ዝግብኦ ዘኩርዕ ታሪኽ ምዃኑ ይኣምን። ግደን ኣበርክቶን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምዕዋት እቲ ዝሓለፈ ታሪኻዊ ሃገራዊ ዋዓላ’ውን ዓቢ እጃም ከምዝነበረ ይዝኸር፡፡ ሕጂ’ውን ኣብዚ ብርቱዕ ሃንቐውታ ዝግበረሉ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤን ምቅልጣፍ ደሞክራስያዊ ለውጥን ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዕውት ክኸውን ከም ዘይኽእል ይግንዘብ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ካብዚ ጽኑዕ እምነት ብምብጋስን፡ ነቲ ዝሓለፈ ኣውንታዊ ተመክሮ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ግምት ብምእታው ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ብውሕዱ 30% ክኸውን ምውሳኑ ዝፍለጥ’ዩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባብን ቦታ ምርጫታትን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ወሳኒ ምዃኑ ብምእማን ጥራይ ዘይኮነስ ኣገዳስነቱ ብምርዳእ፡ ብትኩረት ክስርሓሉ ይሕብር።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ርእሰ ኣኽእሎ ጋህዲ ንምግባርን፡ ሓባራዊ ትልሚ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽን ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ዜጋታት ነቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ታሪኻዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ኩሉ ዓቕምታቶም ዝፍቕዶ ህጹጽ ቍጠባዊ ሓገዝ ከበርክት ሃገራዊ ኮምሽን ይጽውዕ፡፡ እቲ ዝብርከት ቁጠባዊ ሓገዝ አብ ከባቢኩም ንዘለዉ ኮምሽነራት ወይ ተሓጋገዝቲ ህዝባዊ ሽማግለታት ክወሃብ ወይ’ውን አብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ኮምሽን www.encdc.com ብቀጥታ ወፈያኩም ክትስዱ ከምትኽእሉ ይሕብር፡፡

ሎሚ’ውን ብርእሰ-ምትእምማን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክንረባረብ ኢና!!
ኣብ ኤርትራ ምልኪ ፈሪሱ ሕጊ ይንገስ!!
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ፈጻሚ ኣካል
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
10 ጥቅምቲ 2011
WWW.ENCDC.COM

Short URL: https://english.farajat.net/?p=5929

Posted by on Oct 13 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net