ደምዳሚ ኣዋጅ

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ’ቲ ካብ ዕለት 19 ስጋብ 21 ለካቲት 2012 ዝተኻየደ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ብመንጽር ዞባዊን ኣህጉራዊን ክስተት ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ ንዝብል ከም ኣርእስቲ ኣልዒሉ  ብምርኣይ ፡ ህዝብና ካብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ተናጊፉ ሰላምን ራህዋን ከምዘስተማቕር  ንምግባር ኣብ ዝግበር መስርሕ ብተሓታትነት ንሰልፊ ናህዳ ከም ኣካል ተቓውሞ መጠን ዓቢ ሕላፍነት ዘሰክም ምዃኑ ገምጊሙ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ወዲቑ ናብራ ኣዝዩ ከቢሩዎ ቕሳነት ስኢኑ እታ ዝፈትዋ ሃገሩን ቤተሰቡን ገዲፉ ክስደድን ብዘይ ገበን ክእሰርን ክቕተልን ካብ ዝጅምር ዕመታት ኣቑጺሩ ይርከብ ። ብፍላይ ከኣ ድሕሪ’ቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኣዋሳ ካብ ዕለት 21/11/2011 ስጋብ 31/11/2011 ኣብ ዝገበሮ ጉባኤ ፡ ንኹሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ኤርትራ ጠርኒፉ ብዓወት ብምውጹኡ ህዝብና ነታ ስኢንዋ ዝነበረ ሰላም ንኽረክብ ዳግማይ ተስፋ ብምልባሱ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝፈጠሮ ወጥሪ በቲ ሓደ ወገን ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ብ 2023 ዝፍለጥ ናይ እገዳ ውሳኔ ብምውሳኑ  ህግደፍ ተስፋ ብምቑራጽ ዝልዕሎን ዘንብሮን ጨኒቕዎ ዓንጾ ዓንጾ  ኣደራዕ መካራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርድ ይርከብ። ህዝብና ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽንኩር ኩነት አናሃለወ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብምክያዱ ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክም አዩ ነይሩ ።

ማእከላይ መሪሕነት ፡ ሰልፊ ናህዳ ነቲ ኣብ ዝባኑ ተሰኪምዎ ዘሎ ህዝባዊን ሃገራዊን ሓላፍነት ብግቡእ ምእንቲ ክፍጽም ፡ ነቲ ካብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝቐረበሉ ጸብጻብ ኣዕሚቑ ብምርኣይን ደቂቕ ምይይጥ ብምግባርን ነቶም ስጋብ ሕጂ ከጋንፉ ዝጸንሑ መሰናኽላት ዳግማይ ንኸየጓንፉ መግትኢ ብምቕማጥ፡ ንመጻኢ ብግቡእ ከስርሖን ኣብ ቅድመ ግንባር ከቐምጦን ዝኽእል ንጹር ስትራቴጂ ድሕሪ ምሕንጻጽ ነዞም ዝስዕቡ ለበዋታትን ውሳኔታትትን ኣሕሊፉ።

  1. ኢንጂኒር ኑር መሓመድ አድሪስ ዳግማይ ኣቦመንበር ሰልፊ ንክኸወን ብምምራጽ ፡  ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ንሓዲሽ መድረኽ መዚዙ።
  2. ንዝመጽእ መድረኽ ዘገልግል መደብ ዕዮን ባጀትን ኣጽዲቑ።
  3. ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ ኣብ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተመደበሉ ግዜ ንኽጋባእ ዳግማይ ወሲኑ።
  4. ካልኣይ ሰልፋዊ ጉባኤ እተዳሉ ሰለስተ ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መዚዙ።
  5. መደባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንምዕዋት ምስ ኩለን ፖለትካውያን ሓይልታት ብምዃን ክሰርሕ ምዃኑ ወሲኑ።
  6. ኣብ ሲና-ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ንዝፍጸም ዘሎ ዘስካሕክሕ ገበናት መንግስቲ ግብጺ ህጹጽ መግትኢ ክገብረሉን ነቶም ገበነኛታት ብምህዳን ናብ ፍትሒ ከቕርቦምን ዝግበኦም መቕጻዕቲ ክብይነሎምን ኣጥቢቑ ይጽውዕ።
  7. ኩሉን ጎረባብቲ ሃገራት ንኤርትራውያን ስደተኛታት ፍትሓዊ ኣቀባብላ ክገብራሎምን ፡ ኣሕሊፈን ንህግደፍ ምርካብ ከቃርጽኦን  ኣትሪሩ ይጽውዕ።
  8. ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ፡ ኮሚሽን ስደተኛታትን ብኤርትራውያን ስደተኛታት ክግደሱን ዘድሊ ዘበለ መባእታዊ ጠለባቶም ብምምላእ ኣብ ልዕሊኦም ክወርድ ንዝኽእል ጉድኣት ክከላኸሉሎምን ኣጥቢቑ ይጽውዕ።
  9. ህዝቢን መንግስትን ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምዕቋብን ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽሰርሑ ብምፍቃድን ናይ ትምህርቲ ዕድል ብምኽፋትን ንዝገብርዎ ዘለዉ ሰብኣዊ ተግባራቶም እናኣመስገነ ፡  ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮ ሓገዛቶም ነቲ ካብ ቀደም ዝጸንሔ ምሕዝነት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዝዩ ኣዕሚቕዎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንመጻኢ ውን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ንዝህሉ ሓባራዊ ረብሓታት ኣውንታዊ ጽልዋ ክህልዎ ምዃኑ ይኣምን።     

ኣብ መጨረሻ ማእከላይ መሪሕነት ነቲ ብምኽንያት ዓወት ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ብኹለን ጨናፍር ፡ ኣብ ርያድ , ጅዳ , በርሚንግሃም ለንደን ስዊደን ዝተገብረ ናይ ሓጎስ ጽንብል ብምንኣድ ፡ ንኹሎም ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ብፍላይ ከኣ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ዝተጻወትዎ ዓቢ ተራ ምጊሱ።    

ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ሰሉስ 21/2/2012

Short URL: https://english.farajat.net/?p=6655

Posted by on Mar 1 2012 Filed under Press release. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net