መግለጺ ሓዘን

መስዋእቲ ሃገራዊ መራሒ ተጋ/ሸክ ሓምድ ሳልሕ ቱርኪ (ኣቡ ማጅድ)

 

መራሒ ተጋዳላይ ሸኽ ሓምድ ሳልሕ ቱርኪ (ኣቡ ማጅድ) ንነዊሕ ግዜ ብዝሓደሮ ሕማምን ዘስዓበሉ ድኻምን ብ08 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከተማ ካርቱም ሃገረ-ሱዳን ካብዚ ዓለም ብመስዋእቲ ብምፍላዩ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።

 

ስውእ ተጋዳላይ ሓምድ ሳልሕ ቱርኪ ካብቶም ብንኡስ ዕድሚኡ ኣብ መፋርቕ 60ታት ኣብ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ሃገራዊ ነጻነት ንምርግጋጽ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተቃለሰ ሓርበኛ’ዩ ነይሩ። ብድሕሪ ምርግጋጽ ነጻነት ኤርትራ’ውን እንተኾነ፡ ድኻሙ ከይጸብጸበ ምእንቲ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምፍታሕ ዕድመ ሂወቱ፡ ፍልጠቱ፡ ተሞክሮኡ፡ ከይበቐቐ ወይ ከተሓለለ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ክቃለስ ዝጸንሐ’ዩ። ስውእ ሓምድ ሳልሕ  ቱርኪ ኣብ ስኒትን ሓባራዊ ሃገራዊ ዕዮን ዝኣምን ዝነበረ፡ ኣብ ምምስራትን ጉዕዞን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ልሉይ እጃሙ ዝበርከተ ሃገራዊ ባእታ’ዩ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነቲ ስውእ ሓርበኛ ተጋዳላይ ሸኽ ሓምድ ሳልሕ ቱርኪ ዝተሰውኣሉ ቅዱስ ዕላማታት ባህግታትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕቶ ሰላምን ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ክውን ንምግባር፡ ኩሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ሕሉፍ ተመክሮታቶም ሃንጺ ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ፍልልዮም ብምጽባብን ሓድነቶም ብምድልዳልን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ኣውንታዊ ተራኦም ከዕዝዙን ኣበርቲዖም ክቃለሱን ኤርትራዊ ዲሞክራያዊ ኪዳን ናይ ቃልሲ መጸዋዕትኡ የቕርብ።

 

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከምቶም ኩሎም ንኤርትራን ህዝባን ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ስውኣት፡ ብስንኪ’ቲ ኢ-ሰብኣዊ ፖሊስታት ምልካዊ ስርዓት ህግደፉ ኣብ ሃገሮም ሬሳኦም ንቡር ሓመድ ከይለብስ ዝተነፍጉ፡ ንስውእ ተጋዳላይ ሸኽ ሓምድ ሳልሕ ቱርኪ ተመሳሳሊ ዕጫ ብምግጣሙ ዝተሰመዓና ከቢድ ጓሂ እናገለጽና፡ ንስድራ-ቤቱ፡ ንመሪሕነትን መሰረታትን እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን ልምዓትን ብፍላይ ከምኡ’ውን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ ጽንዓት ይሃብኩም እናበለ፡ ንጅግና ስውእ ተጋዳላይ ሸኽ ሓምድ ሳልሕ ቱርኪ ከኣ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ ይብል።

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

09 ጥቅምቲ 2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8969

Posted by on Oct 12 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net