ናይ ሓዘን መግለጺ ብሞት ክቡር ዶ/ር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)

ENCDC pre

24.10.2014

 

ናይ ሓዘን መግለጺ ብሞት ክቡር ዶ/ር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)

 

ኣብዛ ብዓቐን ግዜ ዝተወሃበትና ሂወት፡ ዓቕምኻን እጃምካን ንስድራቤትካ፡ ንህዝብኻ፡ ንሃገርካ፡ ብሓፈሽኡ ንወዲሰብ ንኸተበርክት ምብቃዕ ዝተዓደሎ ጥራይ እዩ ዝረኽቦ።

 

ክቡር ወዲ ቫካሮ ዕለት 3.10.2013 መንእሰያትና ኣብ ባሕሪ ላምፐዱዛ ብጃምላ ምስሃለቑ፡ ነቲ ብስንባደን ሓዘንን ዝተተንከፈ ልብን መንፈስን ህዝብና፡ ምስ ኩሉ ናይ ጥዕና ጸገማቱ ጠርኒፉ ከዳዕስ ጽዒሩ።

 

ካብኡ ንላዕሊ ውን፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብዝገበሮ ጌጋ ይኹን፡ ብሕልንኡ ዝተሰምዖ ጉድለት፡ ወይ ውን፡ ክገብሮ ዝነበሮ ብዘይ ምግባሩ: ፡ዓው ኢሉ ብግሉጽነት እቕሬታ ሓቲቱዎ። በዚ ዓቢ ታሪኻዊ ኣብነት ኮይኑና ሓሊፉ። መግለጺ ዕብየቱ ውን ኮይኑዎ።

 

እቕሬታ ምሕታት፡ ሕድገት ምግባር፡ ካብተን ዝኸበዳ ዕንቅፋት፡ ሕብረትናን ጥርናፌናን እየን። ዕድለኛ ወዲ ቫካሮ ነዚኣ ዕንቅፋት እዚኣ ሰጊርዋ።

 

ወላ እኳ ሰፊሕ ኣላዪ ግደ ንኽጻወት ሰብ እናተጸበዮ እንተሓለፈ፡ ኣሰሩ ዝስዕቡ ብዙሓን ንኽብገሱ፡ ተስፋ እናገበርናን እናኣተባባዕናን፡

 

ንዑኡ መንግሰተ ሰማያት የውርሶ፡

ንስድራቤቱን፡ ብጾቱን፡ ንኹልናን ድማ ጽንዓት ይሃበና!

 

ምስ ሙሉእ ክብሪ

መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

 

 

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8986

Posted by on Oct 25 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net