ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ኣብ ሽወደን

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጨንፈር ሽወደን ዝሰርዖ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑን ሓላፊ ወጻኢ ዝምድነታት ሃገራዊ ባይቶ ኣቶ በሺር ኢስሓቕን ዝመረሕዎን ብርክት ዝበለ ተሳተፍቲ ዝነበሩን ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብዕለት 19 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ተቓኒዑ።

 

ኣኼባ ብዝኽሪ’ቲ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ብሞት ዝተፈለየና ስዉእ ተጋዳላይ ሸኽ ሓምድ ቱርኪ ተኸፊቱ። ቀጺሉ፡ ኣቦ መንበር ሽማግለ ጨንፈር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ኣብ ሽወደን ኣቶ የውሃንስ ዮሴፍ ብናይ እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም ቃል ብምቕራብ፡ ንኣጋይሽና ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኣቶ በሺር ይስሓቕ ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናትትን ምስ ተሳተፍቲ ኣኼባ ድሕሪ ምልላይ፡ ከም’ቲ ተሓቢሩ ዝነበረ ኣቶ የውሃንስ ኣስመላሽ ም/ኣ/መ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት ኣብ’ዚ ኣኼባ ክረከብ ዘይምኽኣሉ ሓቢሩ። ቀጺሉ መድረኽ ንዶር. ዩሱፍን ኣቶ በሺርን ብምትሕልላፍ፡ ብዛዕባ’ዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ኣርእስትታት ሰፊሕ መግለጺ ቀሪቡ፡-

 

  • ህልዊ ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ኣብ ፖለቲካውን፡ቁጠባውን፣ጸጥታውን፣ማሕበራውን መደያት ትሓልፎ ዘላ ቅልውላውን፡ ንሓደንት ሃገርናን መጻኢ ዕዳላን ዝብድህ ዘሎ ኩነታትን፤
  • ኣብ ዞናና ተኸሲቶም ዘለዉ ፖለቲካዊ ምዕባሌታትን ኣውንታውን ኣሉታውን ጽልዋታቶም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፤
  • ኩነታት ተቓውሞ ደምበ ብጣቕላላ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዝሓልፎ ዘሎ ኩነታት ድማ ብፍላይ፣ ብምድህሳስ፡ ኤሃባደለ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ዝሓለፉ ተመክሮን ኣብ ዕማማቱ ዘጋጠሙ ጸገማትን ብዝርዝር ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣገዳስነት ምክያድ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ከም መእተዊ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ክካየድ ኣብ መደብ ዘሎ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ምዃኑ ምግላጽ፤
  • ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከም ኣገዳሲ ሃገራዊ ትካል፡ ናይ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት ነዊሕን ዘይተሓለለን ቃልሲ ብምክያድ ዝተረጋገጸ ኣገዳሲ ሃገራዊ ትካል ከም ምዃኑ መጠን፡ ንምብርዓኑ ይኹን ንምፍራሱ ዝገብር ፈተነታት እንተሎ ብሓባር ክንምክቶ ይግባእ ድሕሪ ምባል፡ ጉዕዝኡ ንምስትኽኻልን፡ ኣሰራርሕኡ ንምምሕያሽን ግን ርእይቶ ይኹን ሃናጺ ነቐፌታን ኩሉ ግዜ ቅቡሉን ተደላይን ምዃኑ ምርግጋጽ።

 

ነዘን ዝተጠቕሳ ኣርእስትታት ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፡ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑን ኣቶ በሺር ኢስሓቕን፡ ንሃገራዊ ባይቶ ከተፍርስ ምሕሳብ፡ ንተስፋታትን ባህግታትን ህዝብና ከም ምብርዓን ኢዩ ዝቝጸር ድሕሪ ምባል፡ ኩሉ ዓቕምታት ህዝብና፡ ብፍላይ’ውን ናይ ደቂ እንስትዮናን መንእሰያትናን ዓቕሚ፡ ጉዕዞ ሃገራዊ ባይቶ ንምቅልጣፍን፡ ሃገራዊ ግዲኡ ንምዕዛዝን፡ ሞራላውን ንዋታውን ኣስተዋጽኡ ክንገብር ጻዕርታትና ክብ ከነብል ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።

 

ኣብ መደምደምታ፡ መድረኽ ሕቶን ርእይቶን ብምኽፋት፡ ብተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ሃናጺ ዝኾነ ሓሳባትን ርእይቶን ሕቶን ቀሪቡ። ካብ መራሕቲ ኣኼባ ድማ ኣዕጋቢ መልስታት ረኺቡ።

 

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ዞባ ኤውሮጳ

ክፍሊ ዕዮ ዜና

 

 

 

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=8989

Posted by on Oct 29 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net