News

ቃል መሪር ሓዘን

ዕለት 31 ጥቅምቲ 2014

mahmud omer ibrahimገዲም ጅግና ተጋዳላይ ዑመር ማሕሙድ ኢብራሂም (ዑመር ኢስራኢል) ብዓርቢ ዕለት 31.10.2014 ብዝወረዶ ሕማም ምኽንያት፡ ኣብ ከተማ ካርቱም ካብዛ ዓለም  ብሞት ተፈሊዩና። ተጋዳላይ ዑመር ብ 1955 ኣብ ካሪቦሳ/ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ተወሊዱ። ኣብ ንኡስ ዕድሜኡ ብ ነሓሰ 1969 ሃገራዊ ግቡኡ ንምብርካት ኣብ ተሓኤ (ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ) ንክቃለስ ተሰሊፉ ። ተጋዳላይ ዑመር ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ከም ፊዳእይን ውን ከይተረፈ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዘመዝገበ ኩሎም መቓልስቱ ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ።

ጅግና ስውእ ዑመር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት  ኤርትራ፡ ብሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ዝተኻየደ ብዙሕ ጅግንነታዊ ውግኣት ከምተሳተፈ ይፍለጥ። ኣብ ዓሰርተው-ሓደ ካብ ዝተሰተፈሉ ብዙሕ ውግኣት  መውጋእቲ ወሪድዎ እዩ። ዑመር ኢስራኤል ብትብዓትን ተወፋይነትን ዝልለ ተጋዳላይ ነበረ።

 

ተሓኤ ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ ድማ ቃልሱ ኣብ ተሓኤ/ሰባ ድሒሩ ድማ ኣብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነተ ኤርትራ ምሉእ ግዜኡ ዘወፈየ ካድር-ውድብ ኮይኑ ቃልሱ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ቀጸለ። ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ውድብና ካብ’ቶም ልሉይ ግደ ዝተጻወቱ ተቓለስቲ ምንባሩ ንዘልኣለም ክዝከር ክነብር ኢዩ።

 

ውፉይ ተቃላሳይ ዑመር በዓል ሓዳርን ኣቦ 2 ቆልዑን እዩ።

 

ብስመይን ብስም መሪሕነት ግሃድኤ ንተጋዳላይ ዑመር መንግስተ ሰማይ ከዋርሶን፡ ንክብርቲ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኩሉም ኣሕዋቱን ስድራ ቤቱን ከምኡ’ውን መላእ ኣባላ ግ.ሃ.ደ.ኤ. ጽንዓት ይሃበና ብምባል፡ ነቲ ምሉእ ህይወቱ ዝተቓለሰሉ ዕላማታት ኣብ ሽትኡ ክሳብ ነብጽሑ ቃልስና ከይተሓለልና ክንቅጽሎ ምዃኑ ቃልና ነሕድስ።

 

 

ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግ.ሃ.ድ.ኤ.

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top