ኣገዳሲ ኣኼባታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ጀርመን

 ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ጀርመን ዝሰርዖ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑን  ም/ኣ/ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣቶ የውሃንስ ኣስመላሽ ዝተማእከለ ብዕለት 25 ጥቕምቲ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ብዕለት 26 ጥቕምቲ 2014 ከኣ ኣብ ከተማ እሽቱትጋርት ግዱሳት ሃገራውያን ዝተሳተፍዎ ኣኼባታት ተኻይዱ።

ኣኼባ ፍራንክፎርት ብዝኽሪ’ቲ ቅድሚ ሳልስቲ ብሞት ዝተፈልየና ሃገራዊ ተቓላሳይ ዶር. ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)ን ብሓፈሻ ንሃገርና ዝሓለፉ ስውኣትን ተኸፊቱ። ቀጺሉ፡ ኣቶ ዓብዱልዓዚዝ ሳልሕን ኣባል ሃገራዊ ባይቶን ስክረተር ምምሕዳር ዞባ ኤውሮጳን ከምኡ ኣቶ ኢዮብ መዓሾ ኣባል ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ጀርመንን ብናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ቃል ድሕሪ ምባል ንተሳተፍቲ ኣኼባ ምስጋና ኣቕሪቦም ። ኣብ ከተማ እሽቱትጋርት’ውን ብተመሳሳሊ፡ ብኣቶ ዮሴፍ ገብረማርያም ኣቦ መንበር ንኡስ ጨንፈር ሃገራዊ ባይቶ እሽቱትጋርትን ካባቢኡን ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ቃል ቀሪቡ። ከምኡ’ውን ንኩሎም ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣመስጊኑ።

ኣብ ክልቲኡ ኣኼባታት መድረኽ ናብ ክቡራት ኣቦ መንበርን ምክትል ኣ/መ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ድሕሪ ምስግጋር፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ኩነታት ተቓውሞ ደምበን፡ ከምኡ’ውን ካብ ጉባኤ ኣዋሳ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኸዶ መስርሕ ቃልሲ ሰፊሕ መብርሂ ቀሪቡ።

ውሽጣዊ ኩነታት ሃገርና ብዝምልከት ኤርትራ ብሰንኪ’ቲ ትሰግሮ ዘላ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሕብረተሰብኣውን ቅልውላው ከንጸላልዋ ዝኽእል ሓደጋታት ተገሊጹ። ከምኡ’ውን ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝተራእዮ ተረኽቦታት፡ ከም ስርሒት ፎርቶ ጽሑፍ  ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክስትያን እቲ ብገዳማት ናይ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ዝወጸ ናይ ውገዛ ብይን፡ ካልእ ንዕኡ ዝኣመሰለን፡ ንሕመረት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ጥርዚ ዝበጽሐ ህዝባዊ ተቓውሞ ዘረጋግጽ ምዃኑን በሪሁ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ከባቢ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደገኛ ምዕባሌታት ንኩነታት ሃገርና ብኣሉታ ከይጸልዎ ዝብል ስግኣታት ከም ዘሎ መሪሕነት ፈጻሚ / ኤሃባዲለ ገሊጾም።  

ንኩነታት ኤሃባዲለ ብዝምልከት፡ ካብ ጉባኤ ኣዋሳ ሒዝናዮም ዝተበገስና ጉድለታትን ጸገማትን፡ ዕማማት ሃገራዊ ባይቶ ከም’ቲ ተነቢሩሉ ዝነበረ ትጽቢት ብግቡእ ንከይሰላሰል ዕንቅፋት ከም ዝዀነ ተገሊጹ። ካብ’ዚ ንምውጻእ ድማ፡ ዝተፈላለዩ ፈተናታት ተኻይዶም’ኳ እንተዀኑ፡ ከም’ቲ ዝድለ ኣይተዓወትናሎምን ክብሉ ኣቦ መንበርን ምክትሉን ንኣኼብኛታት ኣብሪሆም። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ  ለውጢ፡ ምስ’ቲ ኩሉ ዘጋጠሞ ጸገማትን ማሕለኻን፡ ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ ዝተረጋግጸ ፍርያትን ኣገዳሲ ሃገራዊ ትካልን ብምዃኑ፡ ምዕቃቡን መስርሕ ግዕዞኡ ጸጊናካ ናብ ካልኣይ ጉባኤ ንምብጻሕ ናይ ኩሉ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓላፍነት ምዃኑ ተረዲእና ሃገራዊ ግቡእና ክንገብር፡ መሪሕነት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም። ተጸዊዑ ዘሎ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ነቲ ኩሉ ከጋጥመና ዝጸንሐ ጸገማት ብወድዕነት መዚኑ፡ ነቶም ቀንዲ ዕንቀፋት ኮይኖም ዝጸንሑ ጉዳያት ቅቡል መፍቲሒታት ብምግባር፡ ኩሉ ጻዕርታት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ናብ ዕዉት ጉባኤ ንምእታው ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ መደምደታ፡ ዝተፈላለየ  ሕቶን ርእይቶን ሓሳባትን ከምኡ’ውን ሃናጺ ነቐፌታን ብኣኼብኛታት ቀሪቡ። ብኣቦ መንበርን ምክትል ኣቦ መንበርን  ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ግሉጹነት ዝመልኦ መልስታት መብርህን  ድማ ቀሪቡ።  

ኣኼባታት ፍራንክፎርትን እሽቱትጋርትን ዓቢ ናይ እንካን ሃባን መንፈስ ዝሰፈኖን፡ ሃናጺ ርእይቶታት ዝቐረበሉን ዕዉት ኣኼባታት ምንባሩ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

 

«ብሓባር ምእንቲ ዲሞክራስያዊ  ለውጢ « !!

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢዞባ ኤውሮጳ

ክፍሊ ዕዮ ዜና

03/11/2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9001

Posted by on Nov 5 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net