ኣገዳሲ ሃገራዊ መጸዋዕታ

eudc

ብድሕሪ ዕዙዝ ዝኾነ ሃገራውን ምሕዝነታውን ሰላምታና ምቕራብ፡ 2015 ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ዓመተ ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ክኸውን ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።

 

ብምቕጻል፡-

ሓድነት ወትሩ ብህዝቢ ኤርትራን ብዝተፈላለዩ መሰረታት ፖሎቲካዊ ውድባትን ዝቐርብ ኣገዳሲ ሕቶ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ንጨቋንን ገባትን ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ሃገርና ንመላእ ብዙሕነት ሕ/ሰብና ዘንጸባርቕ ሕብረ-ሰልፋዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕለል ቃልሲ፡ ውሕስነት ዓወት ከም ዝኾነ ብምስትውዓል፡ ሓሙሽተ ፖሎቲካዊ ውድባት ንክልተ ዓመት ዝኸውን ዓሚቕ ዘተን ልዝባትን ብድሕሪ ምክያድ፡ ብወርሒ ጥሪ 2013 ብዝተጋብአ ዕውት ቀዳማይን ሓድነታውን ጉባኤ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ተበሲሩ።

 

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ብድሕሪ ምብሳሩ፡ ኣብ ሓድነት ካብ ዘለዎ ጽኑዕ መትከላዊ እምነትን ድልውነትን ብምብጋስ፡ ምስቶም ኣብ ሃገራዊ ዕላማታት ዝቐራረብዎ ውድባት ሓባራዊ ገድላዊ ዕዮታት ንምዕዛዝ፡ ምስቶም ብፖሎቲካዊ መስመር ዝመሳሰልዎ ውድባት ድማ ናብ ፍጹም ምትሕንፋጻዊ ሓድነት ንምብጻሕ፡ ሰናይ ተበግሶታት እናወሰደ ልባዊ ልዝባት ከካይድ ምጽንሑ ኣይዝንጋዕን። ሓባራዊ ሃገራዊ ዕዮታት ንምዕዛዝ ከካይዶ ዝጸንሐ ዘተታት ብክንድ’ቲ ጻዕርታቱ ምስ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ውድባት ሰናይ ዝምድናታት ንምምስራት በቒዑ’ዩ። ናብ ፍጹም ምትሕንፋጻዊ ሓድነት ንምብጻሕ ከካየዶ ዝጸንሐ ልዝባት ገሊኡ ሰናይ ባህግታቱ ህያው ኮይኑ፡ ሓባራዊ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ንምግባእ ገጹ ይቐራረብ ኣሎ። ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ካብ 07 ክሳብ 10 የካቲት 2015 ክጋባእ’ዩ። ምስዚ ብምትእስሳር ድማ፡ ቅድሚ ጉባኤ ካብ 01 ክሳብ 05 የካቲት 2015 ሰፊሕ ሰሚናር ንምስልሳል መደብ ወጺኡ ምህላዉ ንገልጽ። ኣብዚ ሰሚናር’ዚ ብብርክት ዝበሉ ምሁራት ምሁራዊ መጽናዕትታት ክቐርብ ምዃኑ’ውን ነረጋግጽ።

 

ኣብ ሰፊሕ ሰሚናርን ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤን ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ዘልዕሎም ነጥብታት ንብሕቱ ጥራይ ዝምልከቱ ዛዕባታት ዘይኮነስ፡ ንጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝላዘብ ኣጀንዳታት ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ኩሎም ፖሎቲካዊ ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ምሁራት፡ ኣገደስቲ ባእታታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ መንእሰያት………ወዘተ ኣብ ምሉእ መስርሕ ምስ ዝሳተፉ እዚ ዝስዕብ ዓበይቲ መኽሰባትን ረብሓታትን ይህልዎ።

 

  1. ካብ ብርሑቕ ምምዝዛን ንምልላይን ምቕርራብን
  2. ሃናጺ ሓሳባት ንምቕራብን ኣውንታዊ ነቐፌታዊ ደገፍ ንምሃብን
  3. ዝተፈላለየ ተመክሮታት ንምልውዋጥን ምቕርራቡን
  4. ኣብ መንጎ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ሰናይ ዝኾነ ዝምድናታት ንምምስራት
  5. ሓባራዊ ሃገራዊ ዕዮታት ንምዕዛዝ ዓቢ ጸጋን መክሰባትን ኣለዎ።

 

ካብዚ እምነት’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ኩሎም’ቶም ኣብዚ ሰፊሕ ሰሚናርን ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤን ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ንክሳተፉ ሰናይ ድሌትን ባህግታትን ዘለዎም ኤርትራውያን ዜጋታት ክፉት መድረኻት’ዩ። እቶም ብዝተፈላለየ ብቁዕ ምክንያታት ዕድመ ከነብጽሓልኩም ዘይኸኣልና ዜጋታት በዚ ዝዝርጋሕ ዘሎ መልእኽቲ’ዚ ክቡር ሃገራዊ መጸዋዕታና ነቕርብ። ኣብዚ ሓባራዊ ሃገራዊ ዋኒን’ዚ ክሳተፉ ምሉእ ድሌትን ባህግታትን ዘለዎም ኮይኑ ግን ብዝተፈላለየ ምክንያታት ክርኸቡ ዘይኽእሉ ኣካላት ብኣገዳሲ ዝኾነ ጽሑፋትን መጽናዕትታትን ክሳተፉ ከም ዝኽእሉ ንሕብር። ንኩሎም’ቶም ሃገራዊ መጸዋዕታና ክብሪ ብምሃብ ብኣካል ይኹን ብሃናጺ ሓሳብ ተሳትፍኦም ንምርግጋጽ ድልውነቶም ዘረጋግጹ ኣካላት፡ ኣቐዲምና ብስም ኣሰናዳኢ ሽማግለ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ልዑል ምስጋናና ነቕርብ።

 

ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀትን ሞትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ

 

ኣሰናዳኢ ሽማግለ

ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ

26 ታሕሳስ 2014

 

ንተወሳኺ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻታት ክትውኸሱ ከም ትኽእሉ ንሕብር።

Tel 00251-911822401/00251-912184659/00251-912445520

E-mail mabeel2010@gmail.com

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9179

Posted by on Dec 29 2014 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net