ርሑስ ሓድሽ ዓመት 2015

ምስቲ ኩሉ ኣውንታውን ኣሉታውን ዝኾነ ገጽታኣ 2014 ዛዚምና ሓድሽ ዓመት 2015 ክንቕበል ኣብ ንቐራረበሉ ዘለና ህሞት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ደለይቲ ደሞክራስዊ ለውጥን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን 2015 ዓመተ ሰላምን ርግኣትን ራህዋን ክትኸውን ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ።

 

ኣብ 2014 ተቓውሞ ህዝብና ብውሽጥ ይኹን ብደገ ኣንጻር’ቲ ገባቲ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ክብ እናበለ ዝመጸሉ ዓመት’ዩ። 2014 መንእሰያት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕንወት (ሃገራዊ  ኣገልግሎት) ብትሪ ዝነጸግሉ ዓመት ኮይና ሓሊፋ። ዓበይቲ ዓዲ ደቕና ጠፊኦም ቀበርቲ ስኢና፡ ብረት ዝዓጠቑ መሊሻታት ድማ ቅሳነትን ርግኣትን ተነፊግና ኩሉ ሂወትና ይኹን መነባብሮና ተዘናቢሉ ብምባል ጭቡጥ ተቓውሞ ዝስምዕሉ ዓመት’ዩ። መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ሕሱም ፖሎቲካዊ ጎዝይናን ማሕበራዊ ምብትታን ንምግላጽ ዝኣኽል ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ሓፍትኻ ኣበይ ኣላ? ዝብል ንህልና መላእ ኤርትራዊ ዜጋታት ዝተንኸፈ መግለጺ ዘውጽእሉ ዓመት’ዩ። መራሕቲ ኣድባራት ኦቶዶክስ’ውን ነቲ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃይማኖታትን ትካላቱን ዘካይዶ ኢድ ምትእትታው ዝኾነንሉ እዋን’ዩ። ካልኣይ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንከይጋባእ ዕንቕፋታት ኮይኖም ንዝነበሩ ጸገማት ንምእላይ፡ ኣብ ዝተሰላሰለ ህጹጽ ኣኼባ ዕውት ኮይኑ ንክወጽእ፡ ኣብ ታሪኽ ሕሉፍ ሃገራዊ ነጻነት ንምርግጋጽን ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምውሓስን ዝካየድ ዘሎ ህልዊ ቃልስታት ህዝቢ ኤርትራ መራሕቲ ንመጀመርያ ግዜ ብእኩብ ካብ ዝተዋህቦም ሓላፍነት ብገዛእ ፍቓዶም ዝወርድሉ ዓመት ኮይኑ ተዛዘመ።

 

ብኣንጻሩ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕ/ሰብ ኤርትራ ዝተንጸባረቐ ጭቡጥ ዝኾነ  ተቓውሞታት ጸማም እዝኒ ምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንምብርዓኑን ምጭፍላቑን ኩሉ መዳያዊ ፖሊስታት ግፍዕታቱ ይኹን ግህሰታቱ እናዛየደ ዝመጸሉ ዓመት ምዃኑ ብተግባር ተረጋገጹ’ዩ። እቲ ን24 ዓመት ብዘይዝኾነ ተወዳዳርን ደሞክራስያዊ ምርጫን ንነብሱ ብገዛእ ፍቓዱ ከም መራሒ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝሾመ ዲክታቶር ኢሳይያስ ንመላእ ህዝቢ እናበተ ሃገር ብምልእታ እናኣዕነወ፡ ኣብ መዛዘሚ 2014 ሎሚ ብ30 ታሕሳስ 2014 ንሓድሽ ዓመት 2015 ኣመልኪቱ ቃለ-መሕትት ከካይድ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ካብቲ ልሙድ ዝኾነ ዕንክሊልን ኣብ ባይታ ክጭበጥ ዘይኽእል መብጽዓታትን ገባቲ ኢሳይያስ ዝጽበይዎ ቁም-ነገር ኣይህሉን ኢዮም።

 

ስለዝኾነ ንጨቋንን ገባትን መንግስቲ ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ኤርትራ ሕብረ-ሰልፋዊ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ፡ መላእ ክፍልታት ሕ/ሰብ ኤርትራ ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ዘይሕለል ቃልስታቶም ኣጠናኪሮም ካብ ምቕጻል ወጻኢ ካልእ ቅኑዕ ምርጫ የብሎምን።

 

ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

30 ታሕሳስ 2014

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9182

Posted by on Dec 30 2014 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net