ጽፙቕ ጸብጻብ ስራሕ ናይ ሓባራዊት ሓይሊ ዕማም

esmns-and-eysc-na

እታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመት፡ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ንዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እትምርምር ጉጅለ ክኢላታት (መርማሪት ኮምሽን) ስርሓ ምስ ጀመረት፡ ናይ ግዳያት ቃለ-ምስክርነት ክትእክብ ብዝብል ዕላማ፡ ብተበግሶ ሰለስተ ኤርትራውያን ጥርናፈታት ዝቖመት ሓይሊ ዕማም ምንባራ ዝዝከር ኮይኑ፡ እታ ሓይሊ ዕማም እዚ ዝስዕብ ጽፙቕ ጸብጻብ ናይ ስርሓ ንዝህቢ ተቕርብ ኣላ።

 

ብኣቃውማ ደረጃ፡ እታ ሓይሊ ዕማም ኣብ ዕለት 4 ሕዳር 2014 እያ ብወግዒ ቆይማ። እቶም መጀመርታ ነታ ሓይሊ ዕማም ዘቖሙ ተበግሶታት፡ ስምረት ምንቕስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር (ስ.ም.ኤ.ድ.ሃ.) ከምኡ ውን ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ – ሰሜን ኣሜሪካ (ስ.ኤ.መ.ለ.–ሰ.ኣ.) ክኾኑ እንከለዉ፡ ድሒሩ ድማ ማሕበረሰብ ሕጊ ኤርትራውያን (ማ.ሕ.ኤ.) ኣብታ ሓይሊ ዕማም ተጸንቢሮም።

 

ቀንዲ ዕዮ ናይታ ሓይሊ ዕማም፡ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ብዛዕባ’ታ መርማሪት ኮምሽን ቅኑዕ ሓበሬታ ከም ዝበዝጽሖም ምግባር፡ ከምኡ ውን ጥርዓናት ብኣጋ ናብታ መርማሪት ኮምሽን ከም ዝቐርብ ምግባርን እዩ ኔሩ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሃን (ብራድዮ፣ ብፈይስቡክ፣ ብፓልቶክ) ቀጻጺ ጎስጓሳት ኣካይዳ።

 

እታ ሓይሊ ዕማም፡ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ እብረታት ብዙሕ ዝቑጽሩ ቃለ-ምስክርነታት ከተርክብ ክኢላ ኣላ። ኣብቲ ቀዳማይ እብረ (ናይ ዕለት 31 ጥሪ 2015)፡ 45 ናይ ጽሑፍ ቃለ-ምስክርነታት ኣረኪባ። ካብዚ እቲ 15 ብቋንቋ እንግሊዝ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ 30 ድማ ብቋንቋ ትግርኛ እዩ ኔሩ። ኣብቲ ካልኣይ እብረ (ናይ 28 ለካቲት 2015) ድማ ብኣጠቓላሊ 35 ናይ ጽሑፍ ቃለ-ምስክርነታት ኣረኪባ። ካብዚ እቲ 17 ብቋንቋ እንግሊዝ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ 18 ድማ ብቋንቋ ትግርኛ እዩ ኔሩ። እቲ ቃለ-ምስክርነታት፡ ኣብዘን ዝስዕባ ሃገራት ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን እዩ ተኣቢቡ፡- ኣውስትራልያ፣ ካናዳ፣ ጀርመን፣ ፈረንሳ፣ ሆላንድ፣ እስራኤል፣ ሽወደንን ስዊዘርላንድን።

 

ኣብዚ ጸብጻብ’ዚ ዘይኣተወ፡ ግን ከኣ እዛ ናይ ሓባር ሓይሊ ዕማም ብዝገበረቶ ጎስጓስ፡ ብቐጥታ ናብታ መርማሪት ኮምሽን ዝቐረበ ብዙሕ ጥርዓናት ውን ኔሩ።

 

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ብኦንላይን ጥርዓን (ብናይ ኢንተርነት ፐቲሽን) ዝተዳለወን ልዕሊ 560 ሰባት ድማ ዝፈረሙሉን ሰነድ ውን ናብታ መርማሪት ኮምሽን ቀሪቡ ኣሎ። ሕመረት ትሕዝቶ ናይቲ ኦንላይን ፐቲሽን፡ “መንግስቲ ኤርትራ ናይ ምንቅስቓስ መሰለይ ስለ ዝነፈገኒ ሓደገኛ ብዝኾነ መንገዲ ዶብ ክሰግር ተገዲደ” ዝብል’ዩ ኔሩ።

 

እታ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮምሽን ስርሓ ወዲኣ፡ ዛዛሚ ናይ ጽሑፍ ጸብጻባ ኣብ ሰነ 2015 ክሳብ ተቕርብ፡ እዛ ሓይሊ ዕማም ውን ክህሉ ንዝኽእል ዝተረፈ ዕማማት ንምስልሳል ክትቅጽል’ያ።

 

በዚ ኣጋጣሚ፡ እዛ ሓባራዊት ሓይሊ ዕማም ስራሓ ንኸተዐውት ከይተሓለሉ ንዝተሓባበርዋ ኩላቶም ግዱሳት ብልቢ ተመስግን።

 

ናይ ስ.ም.ኤ.ድ.ሃ.፣ ስ.ኤ.መ.ለ.–ሰ.ኣ.፣ ማ.ሕ.ኤ.

ሓባራዊት ሓይሊ ዕማም

 

10 መጋቢት 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9431

Posted by on Mar 12 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net