ብስራት ንኩሎም ሃገራውያን

yussid said ali hijay

መንእሰይ ዩኑስ ወዱ ንጅግና ስርሒት ፎርቶ ስውእ  ስዒድ ዓሊ ሓጃይ (ወድ ዓሊ) ከም ብዙሓት መንእሰያት መሳትኡ ካብ ሃገሩ ክስደድ ተገዲዱ፡ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ ስደት ብጻዕሩን ብምትሕብባር ኣዝማድን፣ ኣባላት ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፣ ገበርቲ ስናይ ውልቀስባትን ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን  ብስላም  ኣብ እሙን ቦታ በጺሑ ምህላዎ ንኩሎም ሃገራውያን ከነበስር ንፈቱ። መንእሰይ ዩኑስ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንኩሎም ዝተሓባበርዎ ኣሕዋትን ኣሓትን ክብ ዝበለ መጎስን ምስጋናን  የመሓላልፍ ምህላዉ ንሕብር።

መንእሰይ ዩኑስ ሎሚ፡ ከም ኩሎም መሳትኡ፡ ኣብ’ታ ጅግና ወላዲኡ ዝተቓለሰላን ዝተሰዋኣላን ሃገር ከቢሩ ክነብር ምተገበአ፣ ኮይኑ ግን ብሰንኪ ሃገርና ትሓልፎ ዘላ ኩነታት፡ ክስደድ ተገዲዱ። ግዜ ይንዋሕ ወይ’ውን ይሕጸር፡ ስድራ ቤት ስዉእ ወድ ዓሊ ኣብ’ታ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ኣብ ሕቕፎ ህዝቦምን ከቢሮም ክነብሩ ምዃኖም ኣየጠራጥርን ኢዩ።   

 

ግዱሳት ሃገራውያን

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9453

Posted by on Mar 17 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net