News

ብስራት ንኩሎም ሃገራውያን

yussid said ali hijay

መንእሰይ ዩኑስ ወዱ ንጅግና ስርሒት ፎርቶ ስውእ  ስዒድ ዓሊ ሓጃይ (ወድ ዓሊ) ከም ብዙሓት መንእሰያት መሳትኡ ካብ ሃገሩ ክስደድ ተገዲዱ፡ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ ስደት ብጻዕሩን ብምትሕብባር ኣዝማድን፣ ኣባላት ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፣ ገበርቲ ስናይ ውልቀስባትን ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን  ብስላም  ኣብ እሙን ቦታ በጺሑ ምህላዎ ንኩሎም ሃገራውያን ከነበስር ንፈቱ። መንእሰይ ዩኑስ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንኩሎም ዝተሓባበርዎ ኣሕዋትን ኣሓትን ክብ ዝበለ መጎስን ምስጋናን  የመሓላልፍ ምህላዉ ንሕብር።

መንእሰይ ዩኑስ ሎሚ፡ ከም ኩሎም መሳትኡ፡ ኣብ’ታ ጅግና ወላዲኡ ዝተቓለሰላን ዝተሰዋኣላን ሃገር ከቢሩ ክነብር ምተገበአ፣ ኮይኑ ግን ብሰንኪ ሃገርና ትሓልፎ ዘላ ኩነታት፡ ክስደድ ተገዲዱ። ግዜ ይንዋሕ ወይ’ውን ይሕጸር፡ ስድራ ቤት ስዉእ ወድ ዓሊ ኣብ’ታ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ኣብ ሕቕፎ ህዝቦምን ከቢሮም ክነብሩ ምዃኖም ኣየጠራጥርን ኢዩ።   

 

ግዱሳት ሃገራውያን

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top