ውዕሎ ሓርበኛታትን፡ ተዝክሮ መዓልቲ ተጎርባን ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ኡሉም ጀርመን!!

ትማሊ ቀዳም ዕለት 15 03 2015 ብጻይ ገዛኢ ኪዳነ ሓላፊ ወተሃደራውን ጸጥታውን ጉዳያት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተሳተፎ፡ ነባራት ሓርበኛታት ዝተረኸብሉ ተሪኻዊ ዕለት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ተጎርባ 15/03/1964 ተዘኪሩ ውዒሉ።

ኣብቲ በዓል ብዛዕባ  መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ሓጺር መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ሓርበኛ ነባር ተቃላስይ ብጻይ በርሀ ዑቑባዝጊ ንታሪኻዊ ዕለት ቶጎርባ፡ ብምዝካር ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸም ዘሎ በደል፡ ንመኸተ ህዝቢ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ኣልዒሉ መሳጥን፡ ኣንጻር እከይ ተግባራት ህግደፍ ብምልዕዓል፡  ኣብ ዓዲ ዘሎ ኮነ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ንኣዕናዊ ተግባራት ህግደፍ ዝኹንን መሳጢ ግጥሚ ከም ዘቕረበ ካብ ከተማ እሉም ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።ድሕሪ እዚ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገርናን፡ ኤርትራዊ ክገብሮ ዘሎዎ ናይ ቃልሲ ኣገባብን፡ ኮምኡ እውን ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝምልከትን፡ ብዛዕባ ኣብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዘጋጠመ ዘይሓላፍነታዊ ተግባርን ብጻይ ገዛኢ ኪዳነ ብሰፊሑ ገሊጹ።

ኣብ መጨረሻ ንሕቶን ርይእቶን ለበዋን ዕድል ተዋሂቡ፡ ሕቶታት ቀርቦም ኣዕጋቢ መልሲ ድሕሪ ምሃብ፡ ሃነጽቲ ርእይቶታትን ለበዋታትን ብምቕባል ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት ተዛዚሙ ክብል ካብ ከተማ ኡሉም ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ። 

16/03/2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9456

Posted by on Mar 17 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “ውዕሎ ሓርበኛታትን፡ ተዝክሮ መዓልቲ ተጎርባን ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ኡሉም ጀርመን!!”

  1. Berhane

    ሃገር ብዘይ ህዝቢ ህዝቢ ብዘይ ሃገር
    መዓስ ፈላሊኻ ኮይኑ ብሓሶት ዝንገር
    ኣንጻር ሃገር ኮንኩም ምስጸላእቲ ምሕባር
    ትሕዝቶ ቅንኣት ባዶ ብዘይቁምነገር
    መዓልታዊ ዕንወት መስርሕ ውዱቕ ማሕበር
    ናብራ ፍልስጥኤም ኣረመያ ዒራቕ ዘይዝክር

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net