ላዕልዋይ መሪሕነት ስምረት ምስ ኣምባሳዶር ኣዉስትራሊያ ኣብ ሃገረ ግብፅን ወኪል ሱዳን, ኤርትራን ሱርያ ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ

esmns logo

ላዕልዋይ መሪሕነት ስምረት ምስ ኣምባሳዶር ኣዉስትራሊያ ኣብ ሃገረ ግብፅን ወኪል ሱዳን, ኤርትራን ሱርያ (Australian Ambassador (Designate) to Egypt (non-resident accreditation to Sudan, Eritrea and Syria)) ክቡር ኣምባሳዶር አቶ Neil Hawkins ሓሙስ ዕለት 12/03/2015 ኣብ ከተማ መልቦርን, ኣዉስትራሊያ ተራኺቦም ዕዉት ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብቲ ተኻየደ ኣኼባ ካብ ስምረት አቶ ፍፁም ተኽለሚካኤል ኣባል ማዕከላይ ሽማግለ ስ.ም.ኤ.ድ.ሃ, ኣቶ ናስር ኢሳ ኣባል መሪሕነት ስ.ም.ኤ.ድ.ሃ ዞባ አዉስትራሊያ ከምኡውን አቶ በርሃ ተወልደብርሃን ኣባል ስ.ም.ኤ.ድ.ሃ ተሳቲፎም። ኣብቲ ኣኼባ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን፡ ዋሕዚ ስደተኛታትን ጠንቁን፡ ብዛዕባ ስደተኛታ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ካልዖት ሃገራትን ካብቶም ድተዘተየሎም ዛዕባታት ነይሮም።

ከነታት ኤርትራ ብሰንኪ ግስሩጥ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኣዚዩ ኣስጋኢ ደረጃ ወሪዱ ከምደሎን፡ ስራሓ ኣልቦነት ሕሰም ናብራ እንዳሳዕረረ ይኽይድ ከምደሎ ኣስሚሮምሉ። ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 10000 ናይ ሕልና ዕሱራት ከምደለውን ጽብጻብ  ናይ ሰዓዊ መሰላት ከምድሕብር፡ ዝኾነ ይኹን ናይ ምዕካብ, መሰል ከምደየሎ፡ ንኣመንቲ ጅሆቫን ክርስትና ብፍላይ ጵንጤ ቆስታል ቤተክርስትያ ብስም ናይ C.I.A agent ድብል ምስምስ ግፍዕታት ይወርድ ከምደሎ፡ ኣብ ዓመንቲ ዕስልምና ብስም ጅሃድ ማዕለያ ደይብሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይወርድ ከምደሎ ኣብሪሆምሉ። ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ መወዳዕታ ደይብሉ ወታደራዊ ዕስክርናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት መንዕሰይ ብዋሕዚ ሃገሩ ገዲፉ ይሃድም ከምደሎ እዚ ኽኣ ናይ ወለዶታት ጋግ ይፈጥር ከምደሎን ኣብ መጻኢዉን ኣብይ ናይ ኢኮኖሚ ቅልውላውን ከም ሃገር ናይ ምቅጻል ሓደጋ ይፈጥር ከምደሎ ገምጊሞም። ብሓፈሻ ንኹሉ መንግስቲ ኤርትራ ድፍጽሞም ደለው ግፍዕታት ኣሊሎም ዘትዮምሉ።

ቅጺሎም መራሕቲ  ስምረት,  ስ.ም.ኤ.ድ.ሃ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ድወርድ ደሎ ግፍዕን መካራን ዝወለዶ ቃልሲ ምኻኑ ዕላማኡ ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ቀሲኑ ድነብረላ ኩለን ብሔራትን ሃይማኖታት ብማዕረ ድስስናላ ልዑላዊትን ድሞክራሲያዊት ኤርትራ ከንምጽዕ ንቃለስ ክምደሎና ኣብርሆምሉ።

ኣብመውዳዕታ መንግስቲ ኣዉስትራሊያ ኣብ ትግባረ ማዕቀብ ሕቡራት ሃገራት ብዕቱብ ክትሰርሓሉ ኣተሓሳሲቦም። ኣዉስትራሊያ  ጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራዉያ ብዕቱብ ክትርኢዮን እጃማ ክተበርክት ሓቲቶም፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ መኣስከራት ድርከብ ኤርትራዉያን ናይ ትምህርቲ ይኹን ካልዕ ሓገዛት ክትገብር ተላብዮም። ኣምባሳደር Niel Hawkins ብወገኑ ሓድሽ ተመዚዙ ድኸይድ ደሎ እምባሳደር ክምኻኑ ድሰምዖ ከምድሕዘኖን ንምሕጋዝ ስደተኛትትውን ድክኣሎ ከምድገብር ገሊጹ።

 

 

ሓርነትና ናይ ግድን ኢዩ

ክፍሊ ዜናን ባህልን ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራ ንድሕነት ሃገር

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9463

Posted by on Mar 17 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net