ኣገዳሲ መኣረምታ

eudc

ብቀዳምነት ዕዙዝ ገድላዊ ሰላምታና ነቕርብ።

ብምቕጻል ብ20 መጋቢት 2015 እንተደጋገመስ ሓቂ ንከይመስል ብዝብል ኣርእስቲ ብፈጻሚ ሽማግለ ዝወጸ መግለጺ ኣብ ሳልሳይ ገጽ ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ተቐሚጡ ዘሎ ፖራግራፍ ብዝተፈጠረ ጌጋ ብዙሕ ይቕሬታ እናሓተትና በዚ ሓድሽ ዝመዓራረ ዘሎ ተመዓራርዩ ክንበብ ብትሕትና ንሓትት።

 

ምስ ሰናይ ገድላዊ ሰላምታ

 

ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ

21 መጋቢት 2015

 

ብዝኾነ፡-

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዝውንን ሕብረ-ብሄራውን ሃይማኖታውን ውድብ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሄራዊ መንነቱ ሃይማኖታዊ ክብሩን ተዓቂቡሉ ክነብር፡ ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ፖሎቲካውን ምምሕዳራውን ኣንፈቱ ኣብ ላዕሊኡ  ዝነጥብ ዘይኮነስ ብደሞክራሲያዊ ምርጭኡ ባዕሉ ወሳኒ ዝኾነሉ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ ተዋፊሩ ዘሎ ውድብ’ዩ። ኤስደለ ብዘይድምር ናይቶም ኩሎም ብሄራውን ሃይማኖታውን ጸጋታት ህዝብና ኤርትራ ትበሃል ሃገር ክትህልወና ከም ትኽእል ይኣምን። ብዝብል ተቐሚጡ ዘሎ ከም ዘይትኽእል ተባሂሉ ክንበብ ንምሕጸን። ልዕልነት ናይ ሓደ ኣካል ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ጥዕና ዘለዋ ሃገር ክንሃንጽ ከም ዘይንኽእል ምሉእ ዕግበቱ’ዩ። ስለዚ ተኸባቢርናን ተኸኣኢልናን ጥዕይቲ ሃገር ንምህናጽ ኩሉ-መዳያዊ ጻዕርታት ንገብር ኣለና። እቶም ኣብ ወረቐት ተመሳሳሊ ዕላማታት ዘስፈርኩም ፖሎቲካዊ ውድባት ኣብ ግብሪ መታን ሓደ ክንከውን ሕጂ’ውን ሰውራዊ ጻውዒትና ብምሉእ ልብና ነቕርበልኩም።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9468

Posted by on Mar 21 2015 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net