ዕዉት ህዝባዊ ኣኼብ ግ.ሃ.ድ.ኤ ኣብ እስራኤል

ኣብ ሃገር ኢስራኤል ከተማ ተልኣቪቭ ብግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ጨንፈር እስራኤል ዝተጸወዐን ብኣባል ፈጻሚ ኣካል ግ.ሃ.ድ.ኤ ብጻይ ገዛኢ ኪዳነ ዝተመርሐን ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብዓርቢ ዕለት 03/04/2015 ተኻይዱ።

ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ብብጻይ ኣድሓኖም ተኽለንኪኤል ድሕሪ ምቕራብ፡ ብጻይ መምህር ኣብርሃም ጉዕሽ ወልደገብርኤል ንጨንፈር እስራኤል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ  ወኪሉ መልእኽቲ  ጨንፈር ኣስሚዑ። ድሕሪ ቃል ጨንፈር መድረኽ ናብ ብጻይ ገዛኢ ኪዳነ ተመሓላለፈ። ብዛዕባ ኩነታት ሃገርን ደምበ ተቓውሞን፤ ብፍላይ ድማ ኩነታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፤ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኩነታት ውድብና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣመልኪቱ ብጻይ ገዛኢ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።  ድሕሪ‘ቲ ዝቐረበ መግለጺ መድረኽ ናይ ሕቶን ርእይቶን ኮይኑ፡ ካብ ኣኼብኛታት ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ቀሪቦም፡ ካብቶም ሕቶታት ዝበዝሑ እቲ ኣብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተረኽበ ናይ ምፍንጫል ጉዳይ ዝምልከቱ ከም ዝነበሩ እቲ ካብ ኢስራእኤል ዝመጸና ዜና ኣረጋጊጹ።

ኣብዞም ዝቐረቡ ሕቶታት ብጻይ ገዛኢ ኪዳነ መልስን ሰፊሕ መብርህን ኣቕሪቡ፡  ብፍላይ ንውድብና ብዘጋጠመ ቅልውላው ተደናጊሩ ዝጸንሔ ወዲ ሃገር እቲ ሓቅታት ከምዝበርሃሉን፡ ዳግም  ከይተደናገረ ኣብ ጎድኒ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኮይኑ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን  ክቃለስ ዝኽእለሉ ኣፈደገ ተኸፊቱሉ ከም ዘሎ እቲ ዜና ወሲኹ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መጨረሻ ድማ  ርኢቶታትን ለበዋታትን ካብ ኣኼበኛ ድሕሪ ምቕባል ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ ክብል  ካብ ጨንፈር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ  ከተማ  ተልኣቪቭ ዝመጸና ዜና  ኣረጋጊጹ። ኣብቲ ኣኼባ ብዝተረኽቡ ክቡራት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ጸሎትን ምዕዶን ብምቕራቡ፡ ነቲ ዝተኻየድ ኣኼባ ፍሉይ ርዝነት ከም ዝሃቦ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ብጻይ ገዛኢ ኪዳነ ኣባል ፈጻሚ ኣካል ግ.ሃ.ድ.ኤ. ኣብ እስራኤል ዝርከብ ስርርዕና ዳግመ ስርርዕ ከም ዘካየደን ንመጻኢ ዓቢ ተስፋ ዝህብ ህላዊ ናይ ውድብና ተረጋጊጹ ምህላዉ ተሓቢሩ። ከምኡ’ውን ብጻይ ገዛኢ ምስ  ኣባላት ጨንፈር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብምዃን ኣብ እስራኤል ምስ ዝተፈላለዩ ግዱሳት ተቓለስትን ናይ ዲፕሎማሲ ሰባትን ክራኸብ ከም ዝቐነየን፡ ጠቓሚ ምርድዳእ ከም ዘካየድን ተፈሊጡ ኣሎ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ !!

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ.

07/04/2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9503

Posted by on Apr 8 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net