News

መሪሕነት ጨንፈር በይ ኤርያ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዑዶት ናብ ከተማ ሳንታ ሮዛ May 9-2015 ዝገበረቶ ጽሟቕ ትሕዝታኡ ከም ዘለዎ ነቕርብ

ENCDC_logo

መሪሕነት ጨንፈር በይ ኤርያ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ ን ኣኼቡኡ ቅድሚ ዝኣገረ በቲ ኣብ ልብያ ስጉምቲ ኣርሚናዊ ፈጽሚ ኢሰባዊ ቅንጸላ ዝተፈጸመ ንኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ክሳዶም ብኻራ ተሓሪዶም ዝተቖርጹ ብ ISIS ንዝኽሮም ብመሪር ሓዘን ብሽምዓ ነቲ ኣኼቦኦም ከፈቶሞ።

ብምቕጻል ብመሰረት መደብ ስርርዕ ኣብ ከባቢኣ ንዝርከባ ከተማታት ዘውጻኣቶ መደብ ንምትግባር ኣብ ከተማ ሳንታሮዛ ኣኼባ ኣካይዳ ድሕሪ ሰፊሕ መግለጺ ህልው ክነታት ንጥፈታት ባይቶ ሓበሬታ ምቕራብ  መድረኽ ናብ ሕቶን መልስን ሪኢቶን ለቦዋን ተሳጋገረ።

ኣኼባ  ብምርድዳእ ንኻላኣይ ጉባኤ ባይቶ ንምዕዋት ዝተገብረ ኣኼባ ሓልዮት ዝዓሶሎ ኣኼባ ድሕሪ ምክያዱ፤  እቲ መድረኽ ኣብቲ መደብ ስርርዕ ኣትዩ ዘትዩ።

ብመሰረት መደብ መሪሕነት ጨንፈር በይ ኤርያ  ኣብ ነውሰከፍ ከተማታት ጉጂለ ክቖማ ኣለወን ዝብል  ናይ ስራሕ  ንትፈታት ዕውት ንምግባር ኣብዚ ኣኼባዚ ናይ ሳንታ ሮዛ ብ 7(ሾውዓተ) ዝኣባላታ ትምራሕ  ጉጅለ ብዲሞኩራስያዊ ኣጋባብ ኣብ  ኣኼባ መሪሕነቶም መሪጾም ከም ዝቖሙ ንሕብር።

ተቐማጦ ከተማ ሳንታ ሮዛ  ድሕሪ  ስርርዑ ንባይቶ ንምዕዋት ዝካኣሎ ክገብር ኣበርቲዑ ክሰርሕ ክነጥፍ ጉቡኦም ከበርክቱ ኣብቲ ርእሲ ዝነበሮም ጽንዓት ነቲ ጽላል ናይ ብዙሓት ተቓውሞ ደንበ ዝጠርነፈ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንኸዕውቱ መብጽዓ ኣትዮም።

 

መሪሕነት ጨንፈር በይ ኤርያ  በቲ ከተማ ሳንታ ሮዛ ብኽብሪ ዝተቀበልኩምና ደጊምና ነመስግን በቲ ሓድነትኩምን ፍቕርኹምን ዘርኣኹምና ኣገናዕ ሳንታ ሮዛ  ንብል።

መሪሕነት ጨንፈር በይ ኤርያ ቀጻሊ መደባት ናይ ስርርዕ ከተካይድ ኣብ ከተማ ሳኖዘ  ክትቕጽል ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ንሕብር ኣብ ዝቕረበ ግዜ ክንሕብር ምዃና ነፍልጥ።

ክፍሊ ዕዮ ዜና ጨንፈር በይ ኤርያ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ

ንዲሞኩራስያዊ ለውጢ

ዓወት ንኻላኣይ መስርሕ ግባኤ ባይቶ

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና

ውድቀት ንጉጂለ ዓማጺ ስርዓት ህግደፍ

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top