እወ… እወ ክወግሕ እዩ

time

ምንም እንተ ነውሐ… ድቕድቕ ጸላም ለይቲ

ወላ እንተጸበበ ካብ ዓይኒ መርፍእ ድቕቕቲ

ካብ ዕረ’ውን እንተ መረረ እንተ ነውሐ ለይቲ

ክንሰግሮ’ና ኩሉ ጸገማትና ብጽንዓት ብትዕግስቲ

 

ኣይርሳዕን’ዩ ቃልሲ ጀጋኑና…

ታሪኽ ጽንዓት ትሪ

ኣይጥለምን’ዩ ሕድሪ ሰማታትና…

ክትግበር’ዩ ብጋህዲ

ኣይሕለልን’ዩ ኩሉ ተቓላሳይ…

ደላይ ሓርነት ፍትሒ

እትሪርና ንቓለስ… ክትወግሕ’ያ መሬት

ብጽንዓት እዚ ተኣምራዊ ህዝቢ

ትብዓትን ዕላማን… ፈላሚ መስዋእትና

ተረቒሙ’ሎ ሰፊሩ ኣብ ልብና ኣእምሮና

ክብረት… ሃገራውነት… ኩርዓትና ራእስና

መብራህትና’ኻ… ፍናና… ቅምሶና ኣብነትና

 

ፈላም ብረታዊ ቃልሲ… ጅግናና ኣቦ ኤርትራና

ክንቃለስ ኢና ብትብዓት ከምቲ ዘምሃርካና

ክንክተል ኢና ኣሰር ስዉኣትና መሰረቲ ሃገርና

ኣይንጥለምን’ዩ ብፍጹም… ሕድሪ ሰማኣታትና

 

ታሪኽ እስከ ተዛረብ መልሰሎም ንዞም ተጠራጠርቲ

ህዝቢ ኤርትራ ይምብርከኽ ድዩ ንምልኪ ንገዛእቲ?

ኣረጊት ሳይጣን ተደፊኑ… ሃዲሙ’ውን ጀጃው ደርጊ

ክስዕቦም እዩ “ኣንጭዋ ናቕፋ” ክርዳድ እከይ ዘርኢ

 

ድሕሪ ነጻነት መሬት ኤርትራ… እዚ ኹሉ ግፍዒ!!!

ሕጊ የለ ፍትሒ… ሰላምን ቕሳነት ኮነ ሕልሚ???

መንእሰይ… ዓለም ጸቢባቶ ተስፋ ሰኣነ ኣባዲ

ድራር ዓሳ ኾነ… ክሃድም ካብ ባርነት መላኺ

 

ኣደይ ኢትዮጵያ ዝበለ… ይኺድ ናብ ኣዲኡ ካባና ይፈለ

ክስውደን ዝበለ… ይሰውደን ይቦቐጽ ከይ ወዓለ ከይ ሓደረ

ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን’ያ ናይ ኩሉ ዋጋ ዝኸፈለ

ብሃገሩ ዝኾርዕ… ንሓድነትን ሓርነታ ዝቃለስ ከይተሓለለ

 

 

እዚ’ይኮነን ነይሩ ናይ ህዝብና… ትጽቢትን ሕልሚ

ብሸፋቱ ክትጉበጥ ሃገርና… ክትከውን ኣልቦ ፍሽልቲ

ብንቅሓት ሕቢርና ንቃለስ… ክነድሕና ካብ ዓዘቕቲ

ዓወትና ናይ ግድን’ዩ… ወላ እንተ  ነውሐ ለይቲ

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንኹሎም ጀጋኑ ሰማእታትና

ክብሪ… ሞጎስ… ምስጋና… ይብጻሕኩም ካባና

ሳላኹም መሬት ኤርትራ ነጻ ኾይና ሃገር ተጸዊዕና

ሓርነት ህዝብና’ውን ክትግበር’ዩ ብቃልሲ ጀጋኑና

 

ኤርትራ ሓንቲ’ያ ኣብ ዝኾነ ጊዜን ኩነት

ፍጹም ዘይትምቀል… ዘይትምተር… ዋንነት

ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለላ… ብልጽቲ ምርጽቲ መሬት

ልዑልነታ ይረጋገጽ ብኽብሪ… ፍትሕን ሓርነት

 

መሰል ህዝብና ይተሓሎ… ብስርት ብሕጊ

ቋም ሕጊ ይንገስ… ብ ልልቲ ምብልቲ

እወ ክወግሕ እዩ ክቀላቕል ጩራ ጸሓይ ፍትሒ

ንጸልማት በዲሁ… ደምሲሱ ብሉጋት  ጨቌንቲ

 

 

ብ/ ሙሓማድ ሳ. ኣሕማድ

22/05/2015

 

ብምኽንያት  ዝኽሪ 24 ግንቦት ዝኽሪ – ነጻነት መሬት ኤርትራ

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9637

Posted by on May 23 2015 Filed under Articles, Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net