ጽምብል ባሕቲ መስከረም ኣብ ከተማ ማንቸስተር፣ ዓዲ እንግሊዝ ዕድመ ንኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ

hamid idris awate
ሓድነት መንእሰያት ኤርትራዉያን ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ዓባይ ማንቸስተር (ሓ.መ.ኤ.ደ.ለ) መበል 54 ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ‘ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ይተግበሩ’ ብዝብል ቴማ ብኽብ ዝበለ ማዕረግ ንምብዓል ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ኣብዚ ፍሉይ መደብ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።
ኣብዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ፣ እዘን ዝስዕባ ማሃርቲ ኣስተምህሮታት ክቐርባ እየን፡
1. `ሳንኩፍ ቀለቤታት ኣብ ሰንሰለት ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ` ብ ዶ/ር ኢብራሂም ስራጅ
2. ‘ባሕቲ መስከረም 61 ንምንታይ ኣድለየት ? ሕጂ ኸ ? ` ብ ኣቶ ኢብራሂም ሓምድ (ካቡሺ)
ብተወሳኺ ድማ ነዛ ታሪኻዊት ዕለትን ህሉው ኩነታት ዓድናን ዘንጸባርቑ ዝተፈላለዩ ስርሓት ስነ-ጥበብን ከሰንዩ እዮም ።
ስለ’ዚ ኣብ’ዛ ፍልይቲ ዕለት ‘ዚኣ ምሳና ሓቢርኩም ክትጽምብሉ ብኣኽብሮት ንዕድመኩም።

ዝካየደሉ ኣድራሻን ዕለትን ሰዓትን ከምዚ ዝስዕብ ይኸዉን፣-
Phil Martin Centre
MCCR, 141-143 PRINCESS ROAD,
MOSS SIDE, MANCHESTER, M14 4RE (near Red Sea Cafe)
ዕለት ሰንበት 06/ 09/ 2015 ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ
ብዳሓን ምጹ።
ሓ.መ.ኤ.ደ.ለ ዓባይ ማንቸስተር
E-mail : ueydcgm@yahoo.co.uk Facebook: @ UEYDCGM

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9889

Posted by on Sep 1 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net