ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

encdc
ከም ዝፍለጥ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቅልውላው ምስ ኣተወ ነዚ ቅልውላው እዚ ንምፍታሕ ኣብ ታሕሳስ 2014 ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባዚ ድማ ሓዳሽ መሪሕነት ባይቶ፡ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ኣሰናዳኢት ሽማግለን ኣቚሙ። ከምኡ እውን ምግባእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ወርሒ ንኽካየድ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ ውሳኔ እዚ ድማ ኣብ ማእከል ጥሪ 2015 እዘን ሰለስተ ትካላት ስረሐን ብዕሊ ጀሚረን። ይኹን ደኣ እምበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብቲ ዝጸንሖ ቅልውላው ክናገፍ ኣይከኣለን። ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ምስ ኣርባዕተ ውድባት ምውጋኖም ብሓደ ሸነኽ: ኣሰናዳኢት ምስ ዝተረፉ ውድባት ባይቶ ብምውጋኖም ድማ ብኻልእ ሸነኽ: ኣብ መንጎኦም ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ። ብሰንኪ እዚ ዘይምቅዳው ናይ እዞም ክልተ ሸነኻት ድማ ንሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ግዜኡ ንኸይካየድ ዓንቂፍዎ። ስለዚ መሪሕነት ባይቶ ነዚ ቅልውላው ኣብ ትሕቲ ሕግታትን ስሩዕ ኣጋባባትን ኣብቲ ህጹጽ ኣኼባ ዝተወሰነ ተመርኲሳ ንኽትፈትሖ ናይ ግድን ስለ ዝነበረ እቲ ዕድመ ባይቶን ምግባእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤን ንኽናዋሕ ናይ ግድን ኮነ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንሃገራዊ ፖለቲካዊ ዕማም ስለ ዝቖመ ከም መዓልቱ ዝሓለፎ ዕሹግ መግቢ /ኤክስፓይር ዴት/ የብሉን። እንተ ኾነ ግን ህላውነትን ቀጻልነትን ባይቶ ንምርግጋጽ ብሓደ ሸነኽ: ነቲ ሕጋውነት ባይቶ ግዜኡ ሓሊፉ እዩ ዝብል ሓሳብ ንምዕጻው ድማ ብኻልእ: ሸነኽ እቲ ዕድመ ናይቲ ባይቶ ክናዋሕ እቲ ሕጋዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ የገድደና እዩ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ መሪሕነት ባይቶ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀጻሊ ጻዕርታታ ኣካይዳስ ከም ውጽኢቱ ከኣ ዕድመ ባይቶ ክሳብ ታሕሳስ 2015 ንኽናዋሕ ልዕሊ ክልተ ሲሶ ኣባላት ባይቶ ስለ ዝደገፉ መሪሕነት ባይቶ ብምኽንያት እዚ ጠለብ’ዚ ዕድመ ባይቶ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2015 ንኽናዋሕ ትእውጅ።

መሪሕነት ባይቶ ንኹሎም ኣባላት ባይቶ ብሓፈሽ ነዚ ረቛሒ ናይ ምምጣጥ ዕድመ ባይቶ ብድምጾም ዝደገፉ እናመስገነት ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ጻዕርታት ንምፍታሕ ሽግራት ኣብ ቅድሚ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ጎና ኮይኖም ደገፎም ንከበርክቱ ትጽውዖም።

ከምኡ እውን መላእ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዙሕ ትጽቢት ዘለዎም ባይቶ ንክሕይልን ካብዚ ዘለዎ ቅልውላው ንክወጽእን እምነት ዘለዎም ብሓደ ሰሚሮም ንባይቶ ክከላኸሉን ደገፎምን ኣበርክቶኦምን ክልግሱ ትጽውዕ።

ዕድመ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ!
ሓጅ ዓብደል ኑር ሓጅ
ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ
31 ነሓሰ 2015

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9894

Posted by on Sep 1 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net