ጻውዒት ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኒውዮርክ

UEM

ሓባራዊ ድምጺ ደገፍ ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ንመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ

ኣብ ኒዮርክ ኣብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብምድጋፍ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይድ’ዩ።
ብ 26 ሰነ 2015፡ ኣብ ጀኔቫ – ስዊዘርላንድ፡ ተልኣቪቭ – እስራኤል ከመኡውን አብ ብዙሓት ከባቢታት ናይ ኢትዮጲያ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ብዝድግፉ ዕውታት ሰላማዊ ሰልፍታት ታሪኽ ተሰሪሑ። ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዘሕብን ስራሕ ብናህሪ ምቕጻልን ንማሕበረ ሰብ ዓለም ድማ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘሎና ደገፍ ምርኣይን ኣገዳሲ’ዩ።
ኣብ ሰነ 2015 መርማሪት ኮሚሽን ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ 485 ገጻት ዝሓዘ ዘሕዝንን ኣነዋሪ መልክዕ ስርዓት ኤርትራ ናብ ቅርዓት ዘውጽአን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዘቃለዐን ጸብጻብ ዘርጊሓ። እዚ መሰረት ብምግባር ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሓለፍቲ ህግደፍን ኣንጸላልይዎም ዘሎ ዓለም ለኻዊ ፍርዲ ክውን ንምግባር ድምጽና ብዓውታ ከነስምዕ ኣሎና።
እምበኣርከስ ነዚ ኣገዳሲ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ኩሉ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ናይ ሚድያ ትካላት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ውልቀሰባትን ከምኡ’ውን ኩሎም ፈተውቲ ኤርትራ ክድግፍዎን ክጽንበርዎን ንጽውዕ።
ነዚ ድምጹ ተዓፊኑ ዘሎ ህዝብና ድምጺ ክንኮኖ ብሓባር ንልዓል! ሓራን ደሞክራሲያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ክውንቲ ንምግባር ድምጽና ክብ ነብል!

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት
East 47th St. ኣብ መንጎ 1st Ave & 2nd Ave
ዕለት፡ ጥቅምቲ 29, 2015 ካብ 8:00 ቅ.ቀ ጀሚሩ

ኣብ ምስላጥ ስራሕ ክትተሓባበሩ እትደልዩ ኩሉኹም ኣብ ENA4COI@gmail.com ተወከሱና።

ሓይሊ ዕማም ጎስጓሳት ሓባራዊ ድምጺ ደገፍ ኤርትራውያን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ንመርማሪት ኮሚሽን ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9923

Posted by on Oct 4 2015 Filed under News, Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “ጻውዒት ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኒውዮርክ”

  1. ላግጺ ዶ ክንብለኩም ዘይምፍላጥ
    ኤርትራዊነትና ብደቂ ወጻኢ ክዕበጥ
    ናጽነትና ክቕየር ብውልቃውያን ሽቐጥ
    ክልተግዜ ሕሰብሉ ሓቂ ከይግልበጥ

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net